ኣብ ልዕሊ ተጋሩ፡ ብኢትዮጵያውያን ዝካየድ ናይ ጽልኢ ዘረባ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት “ንሳቶም” እናበለ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ተጋሩ ካብ ገፅ ምድሪ ክጠፍኡ ከም ዝግብኦምን ንዓኣቶም ዝመስል ሰብ ዳግማይ ንከይፍጠር ካብ ምድሪ ጥራይ እንተይኮነስ ካብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት እውን ክጠፍኡ ከምዝግባእ ክዛረብ ተሰሚዑ እዩ።

ዳኒኤል ክብረት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብሽም ሃይማኖት ፖለቲካ እናሰርሐ ዝፀንሐ እንትኾን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሮ ናይ ጽልኢ ዘረባ “ድሕሪ ሐዚ ንደቅና ንሳቶም መፁኹም እናበልና ኢና ክነፈራርሖም” ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ፅልኢት ኣርእዩ እዩ።

ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ዓሌት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዓሌት ቱትሲ እንትቕተሉን ኣብ ዝተረኸብዎ ብጎዞሞ ዝተጨፍጨፉን መንግስታዊ ሚድያታት ብዘጋውሕዎ ፅልኢታዊ ዘረባታት ምኽንያት እዩ።

ሚድያታት ርዋንዳ ለይትን ቀትርን ተወለድቲ ቱትሲ ምንጪ ኩሎም ፀገማት ከምዝኾኑን ኣብ ልዕሊኦም ሰባት ፅለኣት ከሕድሩን ንዓኣቶም ከም ሰብ ምቑፃር ደው ከብልን እተን ሚድያታት ለይትን ቀትርን ሰሪሐን እየን።

ከም ውፅኢቱ ድማ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ተወለድቲ እዚ ዓሌት ሞይቶም፣ ተሰዲዶምን ተጋፊዖምን እዮም።

ናብ ኢትዮጵያ እንትንመፅእ ድማ ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኡ ሚድያታት ኢትዮጵያ ብሰነዳዊ ፊልምታት ኣቢለን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ቂምን ፅልኣትን ክፍጠር ሰሪሐን እየን።

ኣብቲ ዘዳለውዎ ሰነዳዊ ፊልምታት ተፃሒፉ ዝተውሃቦም ድርሰት ዝዋስኡ ሰባት ብምቑፃር “ተዛረብቲ ትግርኛ” እዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰብ ዝገርፉን ዘሳቕዩን ነይሮም ብምባል ኣብ ኩለን መንግስታዊ ሚድያታት ኣመሓላሊፎም።

ከምኡ እውን ፍሉጥ ናይ ኦሮምኛ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተቐተለሉ እዋን እኳ ቤት ፍርድን ዝምልከቶም ናይ ሕጊ ሰባትን ከየፃረዩን እኹል መረዳእታ ከይተኣከበን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሽዑ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረት ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ መግለፂ ኣብ ዝሃበትሉ እዋን እቶም ሃጫሉ ንክቕተል ትእዛዝ ዝህቡ ሰባት ነኒባዕሎም ብትግርኛ የውግዑ ነይሮም ብምባል ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ፅልኣት ዘሕድር ዘረባ ተዛሪባ እያ።

እዞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበሩ ዘለዉ ፅልኢታዊ ዘረባታት ሓደ ህዝቢ ንምፅናት ዓሊሞም ብብርኪ ፖሊሲ ዝተሓንፀፁ ምዃኖም ንምርዳእ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዘለዉ ሰባት ዝዛረብዎ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ብሞት ዝተፈለየ ድምፃዊ ኣለማየሁ እሽቴ “ፀላእቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይረግፉ ኣለዉ።” ክብል ዝተዛረበ እንትኾን ድሕሪ 1983 መሬት ኣምሓራ እናተቖረሰ ናብ ትግራይ ተወሲዱ እዩ ክብል ድማ ካብ ቀደሞም ፀረ ኢትዮጵያ እዮም ዘስምዕ መደረ ምግባሩ ይዝከር።

መረሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ እውን እንተኾኑ “እዚ ህዝቢ እዚ ን ሓዊ እዩ ክጥመቕ ዘለዎ” ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ፅልኣት ክዛረቡ ተሰሚዖም።

ብምዃኑ እውን በዚ ፅልኣታዊ ዘረባ ዓዊሮም ናብ ትግራይ ዝተሰደዱ ሰራዊት ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ውሽጦም ዝተሰረተ ፅልኢ ነቶም ዝቐትልዎም መናእሰይ፣ ነተን ብጉጅለ ዝዓመፅወን ደቂ ኣንስትዮን ነቲ ብጥምዬት ክመውት ዝፈረዱሉ ህዝቢ ትግራይ ከም ሰብ ስለ ዘይቖፅርዎ እዩ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ዳኒኤል ክብረት ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሮ መደረ፡
“እዚኣቶም ናይ ዓሌቶም ናይ መወዳእታ ክኾኑ ይግባእ። ድሕሪ ደጊም ንዓኣቶም ዝመስል ሰብ ክፍጠር የብሉን።” ክብል ዝተዛረቦ ፅልኢታውን ምፅናት ዓሌት ዝፅውዕን ዘረባ ወሃቢ ቃል ስቴት ዲፓርትመንት ኣሜሪካ “ሓደገኛን ተቐባልነት ዘይብሉን” ክብል ከምዝገለፆ ማኢኸን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ፀብፂቡ ነይሩ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ ኣማኻሪ ምክልኻል ምፅናት ዓሌትን ሓላፊ ዩ ኤስ ኤይድን ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ፅልኣታዊ ዘረባታት ከምዘሻቐሎ ዝገለፀ እንትኾን ብፍሉይ ድማ ኣብ ዘረባ ዳኒኤል ክብረት ዘለዎ ሰኸፈት ምግላፁ ይዝከር።