ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተመዲቦም ይሰርሑ ካብ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ጥዕና እቶም 37 ከምዝተቐተሉ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ ሓቢሩ

ኣብ ትግራይ ልዕሊ ልዕሊ 90 ሚእታዊ ማእኸላት ጥዕና ከምዝዓነዋ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ዕላዊ ገይሩ።

ብምዃኑ እውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ጥራሕ ልዕሊ 22 ሽሕ ሰብ ሞያ ጥዕና ተበቲኖም፣ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ዝፀንሑ 37 ሰብ ሞያ ጥዕና ተቐቲሎምን 78 ድማ ከምዝሰንከሉ ኣረዲኡ።

ከምኡ እውን ብዙሓት ማእከላት ኣገልግሎት ጥዕና ጥርሐን ተሪፈን፣ ዝነበረ መሳርሒ፣ መድሓኒት፣ ናውቲ ሕክምና ዝተሰረቐን ዝዓነወን እንትኸውን ብርክት ዝበላ ማእከላት ጥዕና ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቓፀላ ሓቢሩ።

ምዕናው እዘን ትካላት ኣካል እቲ ኲናት ብምግባር ንገሊኤን ትካላት ጥዕና ብመዳፍዕ ከምዘፍረስወንን ነቲ ተሰኪሞም ክወስድዎ ዘይከኣሉ ናውቲ ድማ ከምዘበላሸውዎ ዶክተር ሓጎስ ኣረዲኡ።

ወረርቲ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ብኲናት ጥራይ ዘይኰነስ ብጥምየትን ሕማምን ክፀንትን ተስፋ ቆሪፁ ክበታተንን መደብ ሒዞም ይሰርሑ ከምዝነበሩን ኣብ ገጠራት ዘይሩ ዝተዓዘቦ እውን እዚ ዘሕዝን ፍፃመ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ዓለምለኸ ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ፀብፃብ፡ በቲ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ከቢድ ስርቅን ዕንወትን ከምዝተፈፀመን ካብተን ዝፀንሓ 13 ሚእታዊ ትካላት ጥዕና ኣብ ስራሕ ከም ዘለዋ ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።