ኣገልግሎት ፌስቡክ ብምቁራፁ፡ 10 ነጥቢ 6 ማልዮን ጥርዓን ከምዝቐረበ ተገሊፁ።

ትማሊ ኣብ መላእ ዓለም ኣገልግሎት ፌስቡክ፣ ዋትስኣፕን ኢንስታግራምን ኣብ ኩሎም መተግበሪታትን ተቛሪጾም ዝነበሩ እንትኸውን ብሚልዮናት ዝቁጸር ጥርዓናት ተሰሚዖም።

እቲ ካብ ትማሊ ከባቢ ሰዓት ሓደ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝቐጸለ ምቁራጽ ኣገልግሎት ብግጉይ ለውጢ ኣሰራርዓ ወይ ኣቃውማ ምዃኑ ፌስቡክ ዝሓበረ እንትኸውን ኣብቲ ዝተቋረጸሉ እዋን ግን ሰፊሕ ምድንጋጽ ተፈጢሩ ምንባሩ ዝተፈላለያ ማዓኸናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

እንተኮነ ናይ ተጠቀምቲ ዳታ ኣብ ምውዳቑ ዘመልክት መረዳእታ ከም ዘየለ ካብቲ ትካል ዝወጸ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ንውሑድ ሰዓታት ዝጠፈአ እዚ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ዓለም ብስፊሑ ዘደናገጸን ዘዘራረበን እንትኾን ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሃገራትን ትካል ፌስቡክን እውን ከቢድ ኪሳራ ከምዘስዓበ ቢቢሲ ኣረዲኡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋን ምሉእ ንምሉእ ምቁራጽ ኢንተርኔትን ንልዕሊ 11 ወርሒ ዝቀጸለ እንትኸውን እዚ ምቁራጽ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘበጸሐ ጉድኣት ሰፍ ዘይብል ከምዝኾነ ይግለፅ ።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ 2016 ኢንተርኔት ከም ሰብኣዊ መሰል ከምዝቁጸር ናይ ውሳነ ሓሳብ “resolution” ኣሕሊፉ ዝነበረ እንትኸውን መንግስታት ህዝቢ ዝጥቐመሉ ኢንተርኔት ከይግድቡን ከይቋርጹን ዝክልክል እዩ።