ሰነዳት፣ስእልታትን መሰኻኽር ዓይኒን ፍልፍል ብምጥቃም ነዚ ዘቃለዐ ሲ ኤን ኤን: መንግስቲ ኢትዮጵያ መሳርሒ ኲናት ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኣስመራን ከምኡ እውን ምጽዋዕን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣቢሉ የጎዓዕዝ ከምዝነበረ ኣቃሊሑ።
እዚ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ መሳርሒ ኲናት ብሲቪላዊ ነፈርቲ ምጉዕዓዝ ዝክልክል ዓለም ለካዊ ኣቭየሽን ሕጊ ዝጥሕስ እዩ።
ኣብቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ናብ ዕዳጋ ኣሜርካ ንምእታው ዘክእል ንግዳዊ ስምምዕነት ዝጥሕስ እንትኸውን መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ካብዚ ስምምዕነት ዋና ተጠቃሚ ከምዝኮነ ይፍለጥ።
ብተንቀሳቃሲ ምስሊ ዝተደገፉ መረዳእታታት ዋላ እኳ እንንተቐረብዎም መገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብዚ ተግባር ከምዘይተሳተፈ ብተደጋጋሚ ክክሕድ ጸኒሑ እዩ።
ኮይኑ ግና ሲ ኤን ኤን ኣብዘካየዶ ሰፊሕ ምርመራ ካብ መጀመርያ እቲ ኲናት ጀሚሩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብ ምጉዕዓዝ መሳርሒ ኲናት ከምዝተሳተፈ ዘርእዩ ሰነዳትን ምስልታትን ጭብጢ ብምቕራብ ኣቃሊዑ።
ብመሰረት እቶም ሰነዳትን መሰካክር ዓይነን መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ጠያይቲ፣ ከበድትን ፎኮስቲ ብረታት፣ ታንክታትን ንወታደራዊ ኣገልግሎት ዝውዕላ መካይንን ዘጎዓዓዘ እንትኸውን ነዚ ተግባር ዝኮና ናይ ሰብን ጽዕነትን ነፈርቲ ከምዝተጠቐመ ተሓቢሩ።
መሳርሒ ኲናት ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ-ነፈርቲ ኣዲስ-ኣበባ ካብተን ነፈርቲ ይጽዕኑን የራግፉን ዝነበሩ ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ኣብዚ ተግባር ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከምዝተሳተፈን ነዚ ከቃልዑ ይኽእሉ እዮም ንዝበሎም ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ካብ ስራሕ ክስጎጉ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሁ።
መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባር ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእውጁ ንነዘ መገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ካብን ናብን መሳርሒ ኲናትን ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት የጓዓዓዝ ምህላው ብተደጋጋሚ እኳ ክሲ ይቀርብ እንተነበረ ብሰነዳትን መሰካክር ዓይንን ተሰኒዱ ዝወጸ ጸብጻብ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ተወላዲ ብሄረ ትግራይ ከምዝኾነ ዝፍለጥ’ዩ።