ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ንኽወፁኡ ዝኣዘዞም ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንድሕንነቶም ክበሃል ብህፁፅ ንኽወፁ ፀዊዑ።

እቶም “ምስ መንግስቲ ትግራይ ይተሓባበሩ እዮም” ብዝብል ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወፁ ዝተኣዘዙ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንድሕነቶም ክብል ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ከም ዘውፀኦም ተገሊፁ።

እንተኾነ መተካእታ ናይቶም ዝተሰጎጉ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዛጊድ ከምዘይተተከአ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፈርሓን ሓቅ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መሰረታዊ ዘይሻራውነት መትከሉ ኣትኲሩ ከምዝሰርሕን እቲ ትካል ብቑዓት ኢሉ ናብቲ ስራሕ ዝለኣኾም ሰራሕተኛታት ከምዝኾኑ ፈርሓን ሓቅ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዓለም ለኸ ሕጊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል መሰል ምብራር ከምዘይብላ ሕቡራት ሃገራት ምግላፁ ይዝከር።