መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ምእዛዙ ኣዚዩ ዘሰምብድ ከምዝኾነ ሕብረት ኣውሮፓ ገሊፁ።

ሕብረት ኣውሮፖ፡ ቅልውላው ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ናብዚ ብተደጋጋሚ ድምፁ ከምዘስመዐን ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ምስ ትካላት ብሓባር ብምዃን ሓበራዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ እናሰርሐ ከምዝመፀአ ኮሚሽነር ኮምሽን ሕብረት ኣውሮፓ ዩታ ኣርፕሌም ገሊፃ።

እቲ ቅልውላው ንኽሃድእ ዝተፈለላየ ፃዕርታት ዋላ እኳ እንተተገበረ፡ ብኣንፃሩ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ኣዚዩ ብዘሕዝን መንገዲ እናተጋደደ ከምዝመፀአን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን ዝልክም ከምዝኾነ ሓቢራ።

በቲ ቅልውላው ኲናት፡ ልዐሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ረዲኤት ከምዘድልዮን 2 ነጥቢ 1 ድማ ካብ መረበቱ ከምዝተመዛበለ ሕብረት ኣውሮፓ ኣረጋጊፁ።

እዚ ቁፅሪ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ብምዃኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ ከምዝኸውንን ዝተመጣጠነ ምግቢ ዝደልዩ ህፃናት ብዝለዓለ መጠን ከምዝወሰኹን ኣረዲኡ።

ብፍላይ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ትርጉም ዘለዎ ረዲኤት ከምዘይኣተወን ምኽንያቱ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንገዲ ብምዕፃው ከምዝኾነ ገሊፁ።

ከምኡ እውን ምቁራፅ ኣገልግሎት ባንኪ፣ ነዳድን ካልኦትን ደው ከምዝበለን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲኤት ዘለዎ ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናኸፍአ ከምዝመፀአን ሕብረት ኣውሮፓ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ውድብ ሑቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ክወፁኡ ምእዛዙ ኣዚዩ ዘሰምብድ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብምዃኑ እውን ሰበስልጣናት መንግስቲ ህፁፅን ዘይተገደበን ተበፃሕነት ረዲኤት ምግቢ ንኽፈቕዱ፣ ዓለም ለኸ ሕግታት ሰብኣዊ ረዲኤት ከኽብሩ ዝተመሓየሸ ስጉምትን ሓበራዊ ድፊእትን ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ውድብ ሑቡራት ሃገራት ምብራሩ ሲዒቡ ካብ ኣሜሪካ ክሳብ ኣውሮፓ ብርክት ዝበላ ሃገራት ከምዝኾነናኦ ዝዝከር እዩ።