መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፅዋር ዘመላልስ ምዃኑ ከየሕፈሮ፣ ሓበሬታ ሸሊኹ ምውፅኡ ኣቖጢዕዎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሲቪል ኣቬሽን ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ዝውንነን ሲቪል ኣውሮፕላናት ካብ ኣዲስ ኣበባ መበገሲኤን ብምግባር ናብ ኤርትራ ከተማታት ኣስመራን ባፅዕን መሳርሒ ኲናት ከምዘጎዓዓዘ ሲኤንኤን ምቅልዑ ይፍለጥ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ወተሃደራትን ኣፅዋርን የጎዓዕዝ ከምዘሎ ብዙሕ ግዘ ዝተዘረበሉ እዩ።


እቲ መንገዲ ኣየር ነቲ ተግባር ከምዝውዓሎ ሰነዳት ፅዕነት፣ መረዳእታ፣ ስእልን መሰኻኽር ዓይንን ጭብጥታት ከምዝረኸበ ኣረዲኡ ሲኤንኤን ዕላዊ ድሕሪ ምግባሩ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ማዕቐብ ክትነብር ከም ትእኽል ተሓኒና እያ።


ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ምሕደራ መንገዲ ኣየር ራዕዲ ዝኣተወ እንትኾን፣ ነገር ግን ኣብ ክንዲ ሕጊ ኣኽቢርካ ምስራሕ ንብዙሕ ግዘ ሓሶት እዩ ብምባል ክኽሕድ ዝጸንሐ ምምሕዳር እቲ መንገዲ ኣየር፣ ሕዚ ‘’እቲ ሓበሬታ ብኸመይ ክወፅእ ኽኢሉ’’ ብዝብል ታሕሚስ ከምዝተፈጠረ ብስሕተት ወፅዩ ከምዝኸውን ዝእመነሉ ኣብቲ ናይቲ ትካል ፌስቡክ ገፅ ትማሊ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።


ኣብቲ ንኣመራርሓታት እቲ ኣየር መንገዲ ብውሽጢ ክባፃሕ ተዘርጊሑ ከምዝኸውን ዝእመነሉን፣ ነገር ግን ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ገፅ ፌስቡክ እቲ ትካል ዝወፀ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፣ መካየዲ ስራሕ ተወልደ ገብረማርያም ትካሉ ኣፅዋር ዘመላልስ ምዃኑ ሓበሬታ ሸሊኹ ንሚዲያታት ምውፅኡ ከምዘቖጠዖምን ተግባር ባንዳነት ከምዝኾነን ይገልፅ። ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ከምዚ ዝኣመሰለ ተዃሽሓይ ሓበሬታ መን ከምዘሽሎኸ ንምፅራይ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ መፃረይ ኮሚቴ ከምዘጣየሸን ንሳቶም ድማ ሰለስተ ካብቲ ኣየር መንገዲ ክልተ ድማ ካብ ሚኒስትሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዝኾኑን የረድእ።


ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ንመሳርሕቱ ‘’እቲ መንገዲ ኣየር ሕዚ እውን ድልየት መንግስቲ ከማልእ ከምዝሰርሕን፣ እንተኾነ ግን ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ከይወፅእ ኩሉ ክጥንቀቕ ከምዘለዎን ከምዘጠንቀቐ እቲ ናይ ውሽጢ ሜሞ የዘኻኽር።


እዚ ኣጋጣሚ እቲ ኣየር መንገዲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይድ ኣፅዋርን ወታደርን ብምዝውዋር ደጊፉ ይሰርሕ ምህላው ዘቃልዐ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ኣየር መንገዲ ዘተሓሳሰቦ ኣብ ጆኖሳይድ ምስታፉ እንተይኮነስ፣ እቲ ሓበሬታ ሸሊኹ ምውፅኡ እዩ። በዚ ሰበብ ድማ ጉጅለ ምርመራ ብምድላው ሰራሕተኛታት እቲ ኣየር መንገዲ ንምግፋዕን ንምውንጃልን ከምዝተዳለወ እቲ ሸሊኹ ዝወፀ የመላኽት።