ኣብ ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ከራድዮን ማሕበር መሐብሐቢ ኣረጋዉያን ምስ እንዳ ትሕሽ ሴትኮም ድራማን ብናፃ ግልጋሎት ቁርሲ ከምዘዳለው ተገሊፁ

እዞም ኣባላት “ባዕልና ንባዕልና ንተሓጋገዝ” ብዝብል ሰናይ ተግባር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ከባቢ ዋና ንግዲ ባንኪ ኢትዮጲያ ንጉሆ ንጉሆ ብናፃ ቁርሲ ናይምምጋብ መደብ ከምዝህቡ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ መላእ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተጋደደ ይመፅእ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ከራድዮን ማሕበር መሐብሐቢ ኣረጋዉያን ምስ እንዳ ትሕሽ ሴትኮም ድራማን ጉዱሳት ወለታዉያንን ተጋሩ ብምትሕብባር ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሓገዝ እናገበረ ዝመፀ ማሕበር ምዃኑ እዉን ካብቶም ኣባላት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ነዚ ስዒቡ እዉን “ኣባላት ባዕልና ንባዕልና ንተሓጋገዝ” ብዝብል ካብቲ ሕብረተሰብ ይኹን ቅድም ኢሎም ማለት እዉን ቅድሚ ግልጋሎት ባንኪ ምዕፃዉ ካብ ግዱሳት ተጋሩ ብዘተኣኻኸብዎ እቶት ኣቢሎም ኣብዚ ሰናይ ተግባር ከምዝተዋፈሩ ገሊፆም።

ኮይኑ ግና እተን ኣብ ኢድ እቶም ኣባላት ዘለዋ ዉሱናት ቅርሺ ካብ ሰሙናት ብዝዘለለ ብዘላቕነት ንፅጉማት ዘዐንግላ ስለዘይኮና ኩሉ ትግራዋይ ብዝኸኣሎ መንገዲ ክሕግዝ እቶም ኣባላት ፀዊዖም።

ኣብ መዓልቲ ንሓደ ሰብ ክልተ ባንን ሻሂን ዝቐርበሉ ምዃኑ ድማ ኣብቲ ብምስሊ ኣደጊፎም ዝፈነዉዎ ሓበሬታ የመላኽት።

ብተመሳሳሊ ካብ ከተማ መቐለ ወፃኢ ዝርከቡ ኣካላት እዉን ተመሳሳሊ ዉዳበታት ብምፍጣር እቲ ልሙድ ባህሊ ምትሕግጋዝ ትግራዋይ ኣማዕቢሎም ኣብ ተመሳሳሊ ተግባራት ክንቀሳቐሱ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ምስ ዝተፈላለዩ ለገስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምትሕብባር እቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎን ሂወት ቡዙሓት ዝቐዝፍ ዘሎ ሑሱም ጥምየት ንምንካይ ይረባረቡ ከምዘለዉ ይፍለጥ።