ሳልሳይ ዙርያ ዓመታዊ ጉዕዞ ” ማህሌተ ጉማየ ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ተኸቢሩ።

ካብ ዓዲ ወፃኢ ንፈለማ እዋን ሳልሳይ ዙርያ ዓመታዊ ጉዕዞ ጉዕዞ ” ማህሌተ ጉማየ ዓውዶውር ኣብ ፍራንክፈርት ‘ማህሌተ ጉማየ ኣብ ፍራንክፈርት’ ብዝብል ተኸቢሩ ዊዒሉ።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዩክሬን፣ ስዊድን፣ ፈረንሳይ፣ ቤልጅየም፣ ጀርመንን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝመፁኡ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ከምዝተሳተፉሉ ካብ መዳለውቲ እቲ ምድላው ሓደ ዝኾነ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣባይ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ብሰንኪ ዝተኻየደ ኲናት ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ እዋን ከምዝነበረን ኣብ ከምዚ ኩነታት ኮይኑ እዚ በዓል ከምዝተኸበረ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ጉማየይ ወያነይ፡ ጉማየን ስነ ልቦና ህዝቢ ትግራይ ን ንዘጋጥም ፀገም ርእስኻ ካብ ምድናን ብምቅላስ ከምዝከላኸል፣ እቲ መህረፊ ጉማየ ባህሊ ራያ ክምንጥሉ ዝደልዩ ኣካላት ስለዘለው ባህሊ ትግራዋይ ከምዝኾነ ንምርኣይን በቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ተጨኒቁ ርክብ ህዝብን ዐመታዊ ጉባኤ ከይቋረፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ዶክተር ሓጎስ ኣረዲኡ።

ከምኡ እውን ማህሌተ ጉማየ ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ንምልላይ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ብምምፃእ ኣብ ትግራይ ማህሌተ ጉማየ ንከኽብሩ፣ ካብ ዘይድህሰሱ ክብረ በዓላት ኮይኑ ክበዓል ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሁ።

ካብቶም ህዝቢ ትግራይ ዝኾርዐሎም፣ ወያነ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠረ ስነ ቃልን ኪነ ጥበብን ከምዝኾነን “ኮፍ ኢልና ኣቐሚጥናዮ ደው ኢልና ከይንስእኖ” እዚ ማለት ኩሎም ባህልታትን ቋንቋታትን እንትዓብዩ ንትግራይ ከምዘዕብያ ዶክተር ሓጎስ ሓቢሩ።

ማህሌተ ጉማየ ኣብ ከባብታት ራያን ወጅራትን ዝፅወት ዓይነት ሙቁር ባህላዊ ፀወታ ትግራይ ከምዝኾነ ይግለፅ።