ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ትግራይ መሊስካ ንምጉባጥ ዘካይዶ ወራር ንምምካት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሙሉእ ብቕዓትን ድልውነትን ከምዘሎ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልትታት ብኹሉ ኣንፈት ሰፊሕ ብነፈርቲ፣ ድሮንን ደብዳብ ከቢድ ብረትን ውሱን ምንቅስቓስ ኣጋር ሰራዊት እናገበረ ቀንዩ እዩ።

መቐፀልታ ናይዚ ድማ ሎሚ 1 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ወጋሕታ ብገርገራ፣ ወገል ጤና፣ ወርጌሳ፣ ብሓደ ከባቢ ዓፋር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ንወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብምፅራሕ ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

መንግእስቲ ኢትዮጵያ ሐዚ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ዝለዓለ በዝሒ ሓይሊ ሰብን ከሉ ዓይነት ኣፅዋር ምድርን ሰማይን ብምስላፍ ኣብ ሓፂር ጊዜ ትግራይ መሊሱ ንምውራር እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ኲናት ናብ ትግራይ ንምምላስ ዓሊሙ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከምኡ እውን ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንመድመቒ ንግስንኡ ዝኸውን ዓወት ንምርካብ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ብምግባር ፈተነታት እናገበረ ከምዝፀንሐ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣብሪሁ።

ኮይኑ ግና ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ብዝወሰዶን ክገብሮ ዝፀነሐን ዕዉት ፀረ መጥቃዕቲ ፀላኢ ፀላኢ ኣብ ዘለዎ ተኾርምዩ ክቕመጥን ንድሕሪት ክሽምረርን ከምዝኸኣለ ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ነቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሐዚ ጀሚርዎ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምምካት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ምሉእ ብቕዓትን ድልውነትን ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ እውን ፈተነ ናይዞም ወረርቲ ሓይልታት ከምቲ ሕሉፍን ልዕሊኡን ዘፈሽል ከምዝኾነን ቀፃሊ ስዕረቶም ዘቀላጥፍ ከምዝኾነን ብምሕባር ኣብ ጉዕዞኦም ሓድሽ ነገር ከምዘይህሉ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ሓቢሩ።