ህይወት ብሰከንድ-ሞት ብካልኢት

ጸሓፊ ዳኒኤል ዘሚካኤል


ንዓይንኻ ብርሑቕ ኣማዕዲኻ እውን ሕልው ትብል ታክሲ የላን። ምዃኑስ ካብ ጅቡቲ ዝመፅእ ነዳዲ ዘየድልዮ እግረኝነት ተለሚዱ እንዶ ጥዒኻ ብእግርኻ ሓሚምካ ብእግርኻ እዩ ኾይኑ። እተን ታክሲ እንተተረኺበን እውን ኣይምሕራን ካብ ርሑቕ ተሳፈርካ ካብ ቀረባ እዛ 10 ቅርሽኻ እዮም ዝቑንዱዱኻ።

ዓሰርተ ቕርሺ ሎሚ ኸዓ ጓል በይዛ እኖ እያ ኮይና፣ ዘላ ብሃበ ተረኽበ ኣይትግነን። በዚ ምኽንያት ታክሲ ሃለወት ኣይሃለወት “ታክሲ የለን” ምባል ልሙድ እዩ። ቆፀሮ ኔሩካ ሰዓት ኣሕሊፉ ዝመፀ ሰብ እንታይ ኮይንካ እንተኢልካዮ “ታክሲ የለን” ይብለካ። ሰብና ስኩፍ እንድዩ ኣጥብቕ ኣቢልካ እንተሓቲትካዮ ከዓ ነታ ቀዲሙ ዝመለሰልካ “ናይ” ትብል ቃል ይውስኸላ እሞ “ናይ ታክሲ የለን” ኢሉ እናሓነኸ ይምልሰልካ።

27 መስከረም 2014 ዓ.ም ግእዝ ሰብ ብጒሓቱ የማነ ፀጋም ይመላለስ ኣሎ። ዝበዝሕ ፃዕዳ ነፀላ ዝተኸደነ ቤተክርስትያን ተሳሊሙ ዝምለስ እዩ። ዕዳጋ ዓዲሓ ዘይብርጭቕ ካልእ ፍረምረ ኣይርከብን።

ጉዳይ ኣስቤዛ እሞ ዘረባ የብሉን። ቀንጠብጠብ ክብል ሽጉርቲ ጠይቐ ሓንቲ ቁኖ ሓራስ ዝመስል ዝተሸብለለት ኣዶ “ንኪሎ 150 ቅርሺ” ምስ በለትኒ ገፀይ መሊሰ ንድሕሪት ከይጠመትኩ እየ ዝሃደምኩ። ካብ 13 ቅርሺ ናብ 150። እንታይ ክሰምዐሉ ኢለ ካሊእ ክሓትት ኣይደፈርኩን። እዝኒ ግን ስርሓ ኣይትገድፍን ብርሑቕ “ኮሚደረ ክንደይ” ንዝብል ሕቶ ቅጥን ዝበለ ላዛ ዘለወን ሰበይቲ “60 ቅርሺ” ዝብል ምላሽ ሰምዐት።

ልዕሊኡ ቀልበይ ዝስሕብ ነገር ስለዝተዓዘብኩ ዝረኣኽዎ ምእማን ክሳብ ዝኣብየኒ ደንፅዩኒ ብኣንክሮ እቐርብ ኣለኹ። ሓሙሽተ ዝኾኑ ኣብ ክሊ ዕድመ 12-15 ዝመስሉ ሰገናት ካብቲ ጓሓፍ ዝመልአ ትርሽዋ ኢዶም እናሰደዱ ይእልሹ ኣለው። እቲ ሓደ ቀይሕ ፀጉሩ ጭፍርር ዝበለ ቀጢን ሰገን ሓይሊ ሓይሊ ኣቡኡ ፀንቂቑ ነቲ ትርሽዋ ክሳብ ፍርቁ ዝበፅሕ ኢዱ ሰዲዱ የሕብሮ ኣሎ። ግን ጥራሕ ኢዱ እዩ ዝወፀ።

ናብታ ኻልአይቲ ትርሽዋ ሰጊሩ ነቲ ዝቖርፈጨ እጅግኡ ስብስብ ስብስብ ኣቢሉ በታ ፀጋመይቲ ኢዱ ነቲ ትርሽዋ ዓትዒቱ ሒዙ ብየማናይ ኢዱ ሃሰስ ይብል። ሐዚ ከብዲ ኢዱ መሊኡስ እቲ ሕልፊ ናብ መሬት ክሳብ ዝነጥር ዓትዒቱ ኢዱ ሰሓበ። ከም ዓሻ ደው ኢለ እዚ ኩሉ እንትገብሩ ምዕዛበይ ሰብ ከይሪአኒ ንላዕልን ንታሕትን እናማዕደኹ እንተለኹ ሃንደበት እዞም ሰገናት ነንባዕሎም እናተዳፍኡ ኢዶም ናብ መሬት እንትሰዱ ኣብ ዓይነይ ኣተው።

እቶም ብጥብቂ ዝከታተልዎ ዝነበሩ ቆልዑ ነቲ ኣብ መሬት ዝወደቐ ዝበስነዐ ሎሚን እዮም ዝመናጠልሉ ዘለው። እቲ ኢዶም ሰዲዶም ዝዳፍእሉ ዘለው ኮብልስቶን ከ ክስረት ተዃዒቱ ዝተቛረፀ ዝኣገለ ማይ ካብ ዝኣከበ ብቖርቆሮ ዝተሓፀረ ሰረት ገዛ ዝፈስስ ረሳሕ ማይ ፀረር ይብሎ ነበረ። ሎሚ ሃፍተምካ ደኸኻ ከመይ ጌርካ ገዛ ክስራሕ? መገዛእ ገንዘብካ ኣብ ባንኪ ተዓሺግካ ከይትተሓጋገዝ መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ኢንተርኔት ተሃርሂርካ ገዛ እሞ ይትረፍ ከብዲ ደቅኻ ምዕንጋል እውን ከቢድ ነገር እዩ።

እዚታት እንተስተንትን ሓንቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ፅባቐ ተባዕትዮ ዓሚለይ ዝነበረት ንእስቲ መትሐዚ ኣስቤዛ ኣንጠልጢላ ፊት ንፊተይ እንትመፅእ ኣበይ እየ ዝፈልጣ ኢለ እኳ ንእሽተይ እንተማታእኹ ክሳብ ትቐርበኒ ድሕሪ ናይ ሰከንድታት ፃዕሪ ንሳ ምዃና ፈሊጠ።
ሰላም ዶ እኳ ሃልዩ ዋ ንቡር ከይንገድፍ ሰላምታ ተለዋዊጥና “በል ንዕያል ክንኣላልሽ” ኢላትኒ የማነይቲ እግራ ኣምሪሓ ስድር ክተብል “ዓይልኪ ዲኺ” ምስበልኩዋ ገፃ ምልስ ኣቢላ “እወ ከምቲ ቀደም ብፅፍርኻ ዝንበረሉ እዋን መሲሉናስ ክልተ በፂሕና” ኢላትኒ ናብቲ እንዳ ኣስቤዛ ገፅ ኣምረሐት።
ሰለስቲኦም ሰገናት ካብቲ መሬት ሓንቲ ሓንቲ ሒዞም እቲ ካብ ትርሽዋ ዝእልሽ ዝነበረ ድማ ኣርባዕተ ዝኸውን ሎሚን ሒዙ ነታ ሓንቲ ቆርበታ ከይቀረፈ ናብ ኣፉ እናፀግዐ ነቲ ኣብ መሬት ተዳፊኡ ዘይቀንዖ ጥራሕ ኢዱ ዝተመለሰ ሰገን “እንካ” ኢሉ ምስ ሸንደወሉ ክቆልባ ከሎ ኣብ ኢዱ ለምበጥ ምስ በለት ካብ ምፅያር ዓዲ ኣይወዓለን ግን ከብዲ ሓያል ይሓኽያ ዳኣ ኣሎ።

ሽዑ ጁባይ ፈንፊነያ እዚ ኹሉ ዘመን ዘይከፈአኪ ኣብ ሎሚ በፂሕኺ ነዞም ሰገናት ንባኒ ትኸውን 5 ቅርሺ ስኢንኪ ካሕዳም ኢኺ ኢለ ምስ ሕልናይ እናተበኣስኩ እንተለኹ እዛ ቅድሚ ደቓይቕ ሰላም ዝበልኩዋ ደኒና ብኢዳ ሃሰሰስ ክትብል እዕዘባ። ኣስቤዛ ትገዝእ ኣላ ከይብል ኣብ ቅድሚኣ ሸያጢ ወይ ሸያጢት የለውን ኢለ ምትኳር ኣብዚሕኻ ከይበሃል ገፀይ ምልስ ኣቢለ ዝብሎ ጠፊኡኒ ስድር ስድር እናበልኩ ናብታ ዝነበረትላ እንተማዕደኹ ኣሻባ ናበይ ከም ዝተፀርገፈት የላን።

ንቕድሚተይ ስጉም ስጉም እንተብል ካብዚ መፁ ዘይብሎም ዕስለ ሰገናት እናተዳፍኡ ነቲ ሓደ ኣብ ሓምሳታት ዕድመ ዝርከብ ሽፈር በሊዑ ካብ ናይ ኣይሱዚ ጋቤና ብፀጋማይ ኢዱ ምስ ሸንደዎ ኣብ ሰለስተ ኣርባዕተ ዝተፈገአ ቅራፍ ብርጭቕ ይመናጠሉ ኣለው። ብፍላይ እቲ ናባይ ገፁ ዝኒሆ ከደረታይ ዕግው ዝበለ ቱታ ዝገበረ ሰገን ብዓይነይ እናረኣኹ እቲ ላዕለዋይ ቅርፊት እንተይተረፈ ይበልዖ ኣሎ።

እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና ኢለ ኣታ ሰብ ዶ የለን ዝዓይነቱ ዙርያ ምላሽ ዘሎ ሰብ እንትጥምት እዛ ቅድም ኢላ ተርእያ ድሕር ዝበለት መሊሰ ረኺበያ። እቲ ዝሪኦ ዘለኹ ነገር ሓቂ እንተዘይኾን ኢለ ተመንየ ግን በቃ እዛ ሰብ ትንፋስ ደቃ ክተቐፅል ምስቲ ቅራፍ ሽጉርቲ ዝተጉሓፈ ሓደ ሓደ ፍረ ሽጉርቲ እንተረኸበት እያ ኣብ ሃሰስታ ዘላ። ሕልፍ እንተኢልካስ ሕልፍ ዝበለ ነገር ኣሎ።

ብዓዲ ሽምድሑን ኣቢለ ናብ ማእኸል ከተማ ገፅ እንትኸድ በቢመንገዱ ገሊአን ህፃናት ሒዘን ገሊአን ድማ ዕብይ ዝበሉ ሰገናት ሒዘን ዝልምና ኣዴታት ብበዝሒ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ እዩ። ኣብታ ጥቓ ባንኪ ዘላ መጥወይት ዝረኸብኩወን ኣብ ኣርብዓታት ዕድመ ዝርከባ ሓደ ክልተ ዓመት ዘይመልኦ ህፃን ዝሓዛ ኣዶ እየን።

ዝውትፈለን ዘይብለይስ ከዛርበን ዶ ክሓድጎ እናማታእኹ “ማማ እንታይ ጉዱ” ምስ በልኩወን እቲ ቀልቢ ንምስሓብ ሕጭል ሕጭል ዘብልኦ ዝነበራ ሳናቲም ሰለስተ ቅርሺ ዕግት ኣቢለን “ለሚ ዘመን እሞ ክንደይ ጉድ ኢልና ክንፀውየሉ ወደዋ” ኢለን ገፀይ ሓንቲ ግዜ ጥምት ኣቢለን ድንን በላ። ኣስዕብ ኣቢለን “እተን ኣብ ጥዑይ ግዜ ዘዋህለልኩወን ዘይረብሓ ቅርሺ ነዛ ግዜስ መሕለፋና ዋ ከዓ ሕጊ ዘይገዝኦም ኣብዚ ገዛ ሓኒቖምወን” በላኒ ናብቲ ብሕቖአን ብድሕሪት ዘሎ ባንኪ ብፀጋማይ ኢደን እናመላኸታ።

“ክንደይ ዝኾን ነይሩክን” ኢለየን “ታ’ሞ ክዓየለይ ደቀይ ብልጠመዩ እምበ ሓደ ኣርባዕተ ሽሕ ድኾን ኔሩ” ኢለን ነቲ ሒዘንኦ ዝመፃ ህፃን ቆልዓ ርእሱ እናደራረዛ። “ብቐዳማይ ኣብዚ ባንኪ ካ ሃፍታም ዝተኣከበ ሸሽሕ ቅርሺ ንበኩም ወረፋ ሓዙ ብሎም እልፊ ሰብ ተራግፁ ግን ኣይበፀሐናይ ተወድኡ” ዝብል ምስ ኣስዐባ ፎቶ ከልዕለን ምስ ሓተትኩወን “ሕደግ ደኣ ወደዋ ዛ ግዘ እንተሓሊፍናያስ ድዚ ወደይ ኣይድንቅይ” ኢለናኒ ጉዕዞይ ቀፀልኩ።
ዕዳጋ ኣባጊዕ ካብ ወትሩ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ እቶም ብዝሕ ዝበላ ጤለ-በጊዕ ዝሓዙ ነጋዶ ጥራሕ ከይኮኑስ ሓንቲ ክልተ ጤለ-በጊዕ ዝሓዙ ሓረስቶት እውን ይበራኸቱ ኣለው። ናብ ሓደ ኣብ ስሳታት ዕድመ ዝበፅሑ ስይበት ንፅግ ዘበሉ ወላዲ ፅግዕ ኢለ “ክንደይ ይበሃላ ኣለዋ ኣባጊዕ” ኢለ ናብተን ዝሓዙወን ክልተ በጊዕ እናጠመትኩ።

እታ ንኽልቲአን ኣባጊዕ ኣጋጢሞም ዝኣሰሩላ ፍሕሶ ናብ የማናይ ኢዶም እናጠቕለሉ “መን ብድጠየቐና ‘ሞ ህንድዚ ንብል” ኢሎምኒ ገዛኢ ከምዘይኮንኩ ዝተረደኦም ይመስል። “ተረፍ ሻዕብያ የአን ድዛ ቀጣን ወቕቲ ደቅና ሸሚትና ንሓልፋ ኢልና ኢና መፅና እሞ ድገዝእ የለይ” ይብሉኒ ዝርያ ምላሽ እቲ ዕዳጋ ብዓይኖም እናተቛመቱ።

ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ዝመፅእ ገዛኢ ካብ 1500 ክሳብ 2800 ቅርሺ ይሽየጣ ምህላወን ነጊሮምኒ። “ድኣይ ማ ክሳብ እዛ ረፍዲ ድጠየቐኒ የለይ ዋ ሽሕስ ይኹን ኣዕዝረ መሕለፊ መዓልቲ ድደቀይ ክሽምት ድነበርኹ” ይብሉ። ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ከቢድ ህይወት ደቁ ናይ ምድሓንን ዘይምድሓንን ፈተና ከምዘሎ ካብ ዘረባ እዞም ወላዲን ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ካልኦት ሸየጥትን ተዓዚበ። ትግራይ ዘፍረየቶ ስርናይ ስገም፣ ጣፍ ዳጉሻ፣ ምሸላ ሰሊጥ ዝጥቀም እግረኝነት እውን ሃፍታን ንብረታን ገሓሒጦም ምስ ጎነኹዎን ኣቃፀልዎን ሎሚ ታሕናግ ምስተጣበቐት ብርኪ ጠሊማ ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣትያ።

ዝመላለስ ሰብ ዕሙር ዳስ ኣምሲልዎ በሪ ሆስፒታል ዓይደር ተጨናኒቑ ኣሎ። ኣብ ምእታው እቲ ሆስፒታል ዝርከብ ማእኸል ድንገተኛ ሕክምና ክፍልታቱ እሞ ይትረፍ እቲ ብራንዳታት መሊኡ ብተሓካማይ ኣዕለቕሊቑ ኣሎ። ካብ መእተዊ ንፀጋም ገፅ ተዓፂፈ ዓራት ይኹን ፍርናሽ ዘይብሎም ኣብ መሬት ናብ ዝረኸብኩዎም ሰብኣይ ተፀጊዐ ኩነታቶም ሓተትኩዎም።

ኣይተ ገብረሚካኤል ምሩፅ ካብ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ምትዕፅፃፍ/ምትሕልላፍ መዓንጣ ኣጋጢምዎም ንኻልኣይ ግዜ እዮም ካብ ቆላ ተምቤን ክሕከሙ መፂኦም። ካብቲ ፈላማይ ግልጋሎት ሕክምና ዝረኸብሉ እዋን ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ወርሒ ለካቲት ክምለሱ እኳ ሕክምናዊ ቆፀሮ እንተነበሮም “ፀላኢ ስለዝኣተወ ንህይወተይ ሰጊአ መንገዲ እውን ስለዝዓፀዎ ብእዋኑ ክመፅእ ኣይከኣልኩን” ይብሉ።

ከባቢኦም ሓራ ምስኮነ እዮም ናብ ዓይደር መፂኦም። “ዝሕከመሉ እዋን ምስሓለፈ ብምምፀአይ ክምለሰለይ ኣይከኣለን ክሳዕ ሐዚ ይሳቐይ ኣለኹ” ብምባል ኩነታቶም ይገልፁ። በዚ እውን ግቡእ ሕክምና ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ገዲድዎም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዘለው ይዛረቡ። እዞም ኣብ ክሊ ስሳታት ዕድመ ዝርከቡ ተሓካማይ እቲ ሆስፒታል መሊኡ ስለዝፀነሖም ኣብቲ ኮሪደር መሕደሪ ዝኸውን ፍርናሽ እውን ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
ኣብ ክፍሊ ድንገተኛ ሕክምና ዝሰርሕ ነርስ ሙሉብርሃን ተስፋይ ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ብወረርቲ ብምዕናወን ብዙሕ ተሓካማይ ናብ ዓይደር ምውሓዙ እቲ ሆስፒታል ልዕሊ ዓቕሙ ክስከም ከምዘገደዶ ይዛረብ። ካብዚ ብተወሳኺ እውን “መንገድታት ተዓፅዩ ስለዝነበረ እዚ ከባቢ ሓራ ምስወፀ እቲ ህዝቢ ሕክምናን መድሓኒትን ዝረኽበሉ ቦታ ምዃኑ ብምሕሳብ ናብዚ ስለዝውሕዝ ዘሎ እዩ” ይብል።
ልዕሊኡ ግልጋሎት ሕክምና ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ዝገብር ዘሎ ድማ “ብሰንኪ ዕፅዋ ዝጋደድ ዘሎ ሰብ-ሰራሕ ጥሜትን ዓፀቦን እዩ” ብምባል ነርስ ሙሉብርሃን ተስፋይ ይሕብር። ተሓከምቲ እዋናዊ ግልጋሎት ረኺቦም ድሒኖም ከይምለሱ “ጥሜት እውን ካሊእ ሕማም ኮይንዎም ስለዝመፁ ከይዲ ሕክምና ነዊሕ እዋን ክወስደሎም ይግደዱ” ምህላዎም ይጠቅስ።

ሙሉብርሃን ወሲኹ እውን እቲ ሐዚ ዝፍጠር ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ቅልጡፍ መፍትሒ ምንዳይ እንተዘይተኻኢሉ “እቲ ሆስፒታል ስርሑ ጠጠው ምባል ክሳብ ዝበፅሕ ከበድቲ ፈተናታት ሕፅረት ኦክስጅን፣ መድሓኒትን መለዋወጢ ኣቑሑ ናውቲ ሕክምናን መዓልታዊ ተጓንፎ ኮይኑ ኣሎ” ይብል።
እቲ ዝሓሸ ተበፃሕነት ዘለዎ መቐለ ናብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ኩነታት እንተወሪዱ ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ከ እቲ ህዝቢ ኣብ ከመይ ዓይነት ህይወት እዩ ዘሎ? ነርስ ሙሉብርሃን ተስፋይ ኣብ መዓልታዊ ስርሑ ብዝሪኦም ከበድቲ ፀገማት “ሰኣን ኦክስጅን ዓይንና እናረኣየ ሰብ ይመውት ኣሎ ኣብ ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ፀቕጢ ኢና ዘለና” ብምባል ገፁ እስር ኣቢሉ ይዛረብ።

እንታይ እዩ እቲ መፍትሒ? ብውሽጥን ብደገን ሰሚርና ተግባርና፣ ቅልፅምናን ድምፅናን ኣዋዲድና ዕፅዋ ብምብርዓን ብቕልጡፍ ናብ ህይወት ኣድሕን ስራሕቲ ምውፋር። ኩሎም መንገድታት ብምጥቃም ህልውና ህዝብና ናይ ምውሓስ ግቡእና ምፍፃም ግዜ ኣይህብን። እቲ ዕፅዋ ኩለመዳይ ብምዃኑ እዛ ዘለናያ ህሞት ብጥሜትን ብሕማምን ህይወት ክንደይ ኣሓትናን ወለድናን ትወስድ ከምዘላ ኣይንፈልጥን።

ካብ ዓድዋ መፂኦም ወዶም እናሐከሙ ዝረኸብናዮም ኣይተ ወልደኪዳን ገብረመድህን “ማሕበረሰብ ዓለም በዚ ዕፅዋ እዚ ነፂትና ምስ ጠፋእና ከይድገም ኢሉ ታሪኽ እንተፀሓፈ ጠቓሚ ኣይኮነን። ሰብ ሰኣን ገንዘብ፣ ምግብን መድሓኒትን ይመውት ኣሎ” ኢሎም።

ሎሚ ኣብ ትግራይ ህይወትን ሞትን ብካልኢታን ሰከንድን ይቀዳደማ ኣለዋ። ንሕና ኸ እታ ናይ ሞት ካልኢታ ኣሕፂርና ህላወ ህይወት ተጋሩ ብሰከንድታት ንምንዋሕ እንታይ ንገብር ኣለና?

ሕቶ እዩ፣ ንተጋሩን ፈተውቶምን?