መንግስቲ ትግራይ፡ ባይቶ ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ኩሎም ብዝርዝር ክሪኦም ፀዊዑ።

መንግስቲ ትግራይ፡ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎን ኣብ ቅዋም ዝተደረኸን ሰላም ናይ ምምፃእ ፃዕሪ ምክያዱ ነመስግን ክብል ገሊፁ።

ብ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 6 ጥቅምቲ 2021 ባይቶ ኣውሮፓ ዘሕለፎ ናይ ሰላም ፃውዒት፡ መቐፀልታ ናይቲ ማሕበረሰብ ኣውሮፓ ቅዋምዊ፣ ሰብኣዊን ሞራላውን ብዝኾነ መልክዑ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ምፅናት ዓሌት ዝረኣየሉ መንገዲ እዩ ዝበለ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ፡

ባይቶ ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት፣ ገበን ኲናት፣ ተግባራት ዘርኢ ምጥፋእን ምፅናት ዓሌትን ብዝርዝር ክሪኦም ፀዊዑ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ባይቶ ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ፤ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራይ ዝግበር ዘሎ ማእሰርቲ፣ ምዕፃው ንግዳዊ ትካላት፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዘለው ተወለድቲ ትግራይ ምቕታል፣ ምስዋር ከምኡ እውን ይበፅሖም ዘሎ ዘይተነገረ ግፍዕታት ንምቅላዕ ዝገበሮ ፃዕሪ ንንእድ ኢሉ።

ኣብቲ መግለፂ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኮነ ኢሉ መንገዲ ብምዕፃው ትግራይ ኣድላይ ሓገዝ ረድኤትን ሕክምናዊ ናውቲን ክትረክብ ዘይምኽኣላ ዝተጠቐሰ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብ ስራሕ ጥምዬት ብምፍጣር ረዲኤት ከይኣቱ ብምኽልካል ህዝቢ ናይ ምፅናት ስራሕ ይሰርሕ ምህላው ይገልፅ።

መንግስቲ ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ነቲ ብምምሕዳር ጆ ባይደን ዝወፀ መምርሒ ሕጊ ተቐቢሉ እቲብኲናት ብዘተ ንምፍታሕ ዘለዎ ቅሩብነት እውን ምግላፁ ብምዝኽኻር ህዝቢ ትግራይ ዝሓቶ ዘሎ ብህይወት ናይ ምንባር ናይ ህላወ ሕቶ እዩ እንተኾነ ባይቶ ኣውሮፓ ንክልቲኦም ሓይልታት ብመዓረ ሪኡ ንህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ንክከላኸል ኣብ ልዕሊ ዝወስዶ ስጉምቲ ጸቕጢ ምፍጣር ግና ዘይቅቡል እዩ ክብል ገሊፁ።