መንግስቲ ኢንግሊዝ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ዜጋታቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት እታ ሃገር ንኸይንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ኢንግሊዝ፡ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኲናትን ፀገም ፀጥታን ዜጋታቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት እታ ሃገር ከይንቀሳቐሱ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ መግለፂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ኦሮምያ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ሶማሌን ትግራይን ከይጎዓዙን ጥንቃቐ ክገብሩን ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ዶባት ኬንያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ከይንቀሳቐሱ ዝፀወዐ እንትኾን ኣብ ኣምሓራ ከባብታት ደቡብ ወሎ፣ ሰሜን ወሎ፣ ከባብታት ጎንደርን ዞባ ዋግኽምራን ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ኲናት ዝካየደሎም ዘሎ ከባብታት እዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ህውከትን ኲናትን እናተበራኸተ፣ ቅልውላው ኢትዮጵያ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናኸፍአ ይኸይድ ብምህላው ግብረ ራዕዲ ናይ ምፍፃም ዕድሉ ዝለዓለ ብምዃኑ ዜጋታት ኢንግሊዝ ህዝቢ ብበዝሒ ካብ ዝእከበሎም ከባብታት ክርሕቁ እውን ፀዊዑ።

ከምኡ እውን ኣብ መብዛሕቲኡ ከባብታት ኦሮምያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ፣ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ናፅነት ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ድሕሪ ዘካየዶ ወራር እቲ ቅልውላው ዞባዊ ኮይኑ ሰላምን ምርግጋዕን ዝሓረሞ፣ ተምሳሌት ህውከትን ዕግርግርን ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይገልፁ።