ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዘፍጽምዎ ግፍዒ ብዝግባእ ናይ ምስናድ ተኽእሎ ስለዘይነበረ ሕሉፍ ጌጋታት ይድግሙ ከምዘለዉ ሰብ ሞያ ስነዳ ታሪኽ ገሊጾም።

መንግስቲ ትግራይ ነቲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት ዝፈፀምዎ ወራር ዝበፅሐ ጠቕላላ ጉድኣትን ዕንወትን ብፅፈትን ብዝርዝርን ዝስንድን ዘፅንዕን “ፕሮጀክት ቤት ፅሕፈት መፅናዕቲ ጉድኣት ኲናት” ዝብል ቤት ፅሕፈት ከምዝተጣየሸ ተሓቢሩ።

ትማሊ ብመንግስቲ ትግራይ ዝወፀአ መግለፂ ከምዘርድኦ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምፅናት ዝተኻየደ ዝተዋደደ ስርሒት ብሰበ ስልጣናት መንግስቲ፣ ሚዲያታት፣ ዝተፈላለያ ትካላትን ሓዊሱ ዝተሳተፍሉ ተግባር ምፅናት ዘርኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝበፀሐ በሰላ ንምክሕሓስን ፀላእቲ ድማ ተሓተቲ ንኽኾኑን ዘኽእል ፕሮጀክት ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክህበና ዝሓተትናዮ በዓል ሞያ ስነዳ ታሪኽ ኣይተ ገ/ክርስቶስ ገ/ስላሴ፡ ነቲ ብመንግስቲ ትግራይ ዝወፀአ መግለፂ ከም ዉጥን ዋላ እኳ ፅቡቕ እንተኾነ ቀፃሊ ኣንፈት ግን ካብ ፕሮጀክት ናብ ትካል ዝዓብየሉ ቤት ፅሕፈት ስነዳ ክጣየሽ ከምዝግባእ ኣረዲኡ።

ማለት እዉን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ጉድኣትን ዕንወትን እንትስነድ ብብርኪ ትካል ኮይኑ ብፅፈትን ብዕምቐትን ከምኡ እዉን ሰብ ሙያታት ተሓዊስምዎን ህዝቢ ከንቅሕ ዘኽእል ከምኒ ቤተ መዘክር፣ ቤተ ንባብ ብሰፊሑ ከዓ ህዝቢ ታሪኹን ሑሉፉን ዘለልየሉ መድረኽ ክፈጥር ዘኽእል ባይታ ክኸዉን ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ በቢዘመናት ፀላእቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘብፅሕዎ ግፍዕታት ኣብ ምስናድን ምፅናዕን ሰፋሕቲ ግድፈታት ከምዝነበሩን ልምዲ ከምዘይነበረን ዘረደአ ኣይተ ገ/ክርስቶስ፡ ሕሉፍ ጌጋ ከይድገም እዚ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ፕሮጀክት ጊዜን ኩነታትን ዘፍርሶን ዘህስሶን ከይኸዉን መንግስቲ ልዑል ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ከም ዝግባእ ኣብሪሁ።

ኣብቶም ዝሓለፉ እዋናት ናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቃልሲን ብዝተወሰነ መልክዑ ቅድሚኡን ዝነበሩ ሓድግታትን ታሪኻትን ሰፊሮምዎም ንዝነበሩ ንሙዝየም ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታትን ቤተመንግስቲ ንጉሰ ነገስታት ዮዉሃንስ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ታሪኽን ባህልን ሃብቲ ህዝቢ ትግራይ ሓቒፎም ዝነበሩ ቤተ ሰነዳት ብፀላእቲ ምዕናዎም ሓደ ካብቶም ንኣተሓሕዛን ኣቀማምጣን ታሪኽ ዝተዉሃቦ ጥንቃቐ ትሑት ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

ብተወሳኺ ዋላ እኳ እቶም ብመራኸቢ ሓፋሽ ኣቢሎም ዝቃልዑ ግፍዕታት እንተሃለዉ፡ ጊዜ ወሳኒ ምዃኑን መረዳእታታት ኣብ ጊዚኦም እንተዘይተሰኒዶም ክጠፍኡ ከምዝኽእሉ ድሕሪ ምግላፅ ነቲ ግፍዒ ትኽክለኛን ቀዋምን ስም ሂብካ ዓለማት ኣፍልጦ ክህቦኦ ኣብ ምግባር ምዝንጋዕ ከምዘሎን ነዚ ድማ ታሪኻዉን ፓለቲካዉን ከስቢ ከይረክብ ይገብሮ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጥቃዕ ዘሎ መፀዋዕታ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ግፍዒ ከምዘይገልፆ ዝገለፀ ኣይተ ገ/ክርስቶስ “ethnic cleansing ምስ Genocide” ፈላሊኻ ምርዳእ ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ማለት ድማ “ethnic cleansing” ዝበሃል ኮነ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ቦታ ዝነብር ህዝቢ፣ ዓሌት ወይ ብሄር ካብቲ ቦታ ናፃ ምግባር ወይ እዉን ምብራር እንትኾን “Genocide” ዝበሃል ግን ንሓደ ህዝቢ ወይ ብሄር ብሙሉእ ወይ ብክፋል ምጥፋእ ጥራሕ ዘይኮነ ከጥፍኦ ኣለኒ ኢልካ ምህቃን ንባዕሉ “Genocide” ተባሂሉ ከምዝፅዋዕ በዓል ሙያ ስነዳ ታሪኽ ኣይተ ገ/ክርስቶስ ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ እዉን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ብገበን ጆኖሳይድ ከምዝፅዋዕን ከም መርኣያ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ቀቲልካን ኣጥሚኻን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉን ተጋሩ ድማ ብመንነቶም ጥራሕ ዝጠፍእሉን ዝመናመንሉን ዘሎ ከይዲ ዋና መረዳእታ እዩ ኢሉ።

ኣብ ሞንጎ ኣዘርባጃን ኣርመንያን ዝነበረ ኲናት ከም ኣብነት ዘልዓለ ኣይተ ገ/ክርስቶስ፡ ኣርመናዉያን ነቲ ብሓገዝ ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝበፀሐ ጨፍጫፍ ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣፍልጦ ክረክብ ልዕሊ 1ዐዐ ዓመታት ከምዝተቓለሱ ኣረዲኡ።

ብተመሳሳሊ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጆኖሳይድ እዉን ብዝግባእ ተመርሚሩን ተሰኒዱን እንድሕርደኣ ተቐሚጡ ዋና ዕላምኡ ዓለማት ኣፍልጦ ምስዝህቦኦ ኣብ ዳግመ ምሕዋይ ትግራይ፣ ስነ ልቦና እቲ ህዝቢ ኣብ ምሕዋይን ኢሉ እዉን ካሕሳ ንምርካብን ጥጡሕ ባይታ ይፈጥር በዓብዩ ከዓ እቲ ህዝቢ ታሪኹ ብዝግባእ ክፈልጥ ይገብር ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሐዚ ብ ፕሮጀክት ፀኒሑ ድማ ብትካል ክዓቢ ተስፋ ዘለዎ ጅማሮ ፍልጠትን ክእለትን ዝሓትት ዓብዪ ዕማም ስለዝኾነ መንግስቲ ትግራይ ኪኢላታት ክእክብ ከምዘለዎን ነቲ ገበን “ጆኖሳይድ” ዝብል ንፁር ሽም ከቐምጠሉን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ንዝሓለፉ ልዕሊ 11 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዉሽጥን ግዳማዉያንን ሓይልታት ዝተፈፀመ ገበን ዓለም ብገበን ብጆኖሳይድ ክምዝግቦን ክፅዉዖን ዲያስፖራ ትግራይ፡ ናይ ውሽጥን ደገን ሚዲያታትን ብሓፈሻ ዓበይቲ መራሕቲ ዓለም ብጥልቀት እናፈተሽዎ ይርከብ።