ህዝብን መንግስትን ትግራይ ማዓረ ምስ በዳሊ ምምዳብ ብፍትሒ ምልጋፅ ከምዝኾነ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣመልኪቱ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝሓለፈ ናይ ውሳነ ሓሳብ  ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበጸሐ ጨፍጫፍን ዝተፈጸመ ገበናትን ብዝርዝር ካብ ምቅማጥ ብዝሓለፈ መንግስቲ ኢትዮጲያ ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቃለዐ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጲያን ከሙኡ እውን ፉሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፈጸምዎ ገበናትን ግህሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ብትሪ ዘውገዘ እንትኸውን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን እቲ ኲናት ድማ ጠጠው ክብልን ዝጽውዕን ከምዝኾነ ይገልፅ።

ውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ ካብቶም ክሳብ ሐዚ ዝግበሩ ዝነበሩ ጻዊዒታትን ናይ ውሳነ ሓሳብን ዝርዝርን ፍሉይ ሓሳባትን ዘጠቃለለ ከምዝኾነ።

ብምዃኑ እውን ውሳነ ሓሳብ ሕብረት ኣውሮጳ ከምቲ ዝተለመደ ተኲሲ ደው ክብል ዝጽውዕ እንትኸውን ካብዚ ብተወሳኪ ግን ነቲ ተኲሲ ደው ናይምባል ስምምዕነት ዝቆጻጸርን ዝከታተልን ኣካል ክጣይሽ እውን ፀዊዑ።

ብተመሳሳቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናትን ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕግታትን ዘውግዝ እንትኸውን ተሓተቲ ኣካላት ናብ ግልጺን ንህዝቢ ክፍቲን ዝኮኑን ሲቪል ቤት ፍርዲ ክቀርቡን ብገበን ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍጸሙ ገበናትን ክሕተቱ ከምዝግባእ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ክሳብ ሐዚ ብሕቡእ ተሓተቲ ይገብር ኣለኹ እየ ብዝብል ኣብ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ብሕቡእ ኣቅሪበ ዝበለ እንትኸውን እዚ ግን ኣግባብ ከምዘይብሉ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዘውፆኦ ውሳነ ኣመላኺቱ።

ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ንዝተፈጸሙ ገበናት ዘጻርዩ ንሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ሓዊሱ ዘይሻራዊ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ትካላትን ኣጻረይቲን ዘይተገደብ ተበጻሕነት ክፍቅዱ ዝጽውዕ እንትኸውን ብኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ዝተገበረ መጽናዕቲ ብካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት ሃገራት ንዝግበር ዓለም ለኻዊ ምጽራይ መሰረት ክኸውን ዝግባእ ከምዝኮነ የቅምጥ።

  እቲ ብክልቲኦም ሓባራዊ ምጽራይ ዝተገበረ መጽናዕቲ ናይ መጀመርያን መወዳእታ ኮይኑ ይቐርብ ዝነበረ እንትኸውን ሕብረት ኣውሮጳ ግን ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ዓለም ለኻዊ ምጽራይ ክግበር ሓቲቱ።

ውሳነ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ተሓላሊፉን ዓለም ለኻዊ ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን ጥሒሱ ንዝርኸብ ኣካል ከም ሕብረት ተወሳኪ ስጉምቲ ክውሰደሉን ብተናጸል ድማ ሃገራት ገበን ንዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ከቅርባን ናይ ተናጸል ማዐቀብ ከንብራን ዝጽውዕ እዩ።

ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን መሸጣ መሳረሒ ኲናት ማዕቐብ ክግበርን ኣብ ዝተመረጹ ውልቐ ሰባትን ትካላትን ኢትዮጲያ፣ ኤርትራንን ህወሓትን እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣቐሚጡ።

እንተኾነ ሕብረት ኣውሮጳ እዞም ፍሉይ ዝበሉ ሓሳባትን ሒዙ ዝመጸ ዋላ እንተኾነ በዳሊን ተበዳልን፤ ወራርን ተወራርን ኣብ ሓደ ዘቅምጠሉን ብሓደ ዝቅጽዕሉን ኣግባብ እውን ኣቀሚጡ እዩ።

ብምዃኑ እውን ንውሳነ ሓሳብ ሕብረት ኣውሮጳ ሲዒቡ መልሲ ዝሃበ መንግስቲ ትግራይ ሕብረት ኣውሮጳ ክሳብ ሐዚ ዝወሰዶም ስጉምታትን መርገጽታትን ዝነኣደ እንትኸውን ሐዚ እውን እንትኸነ ጥንኩር ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ።

ካብዚ ብተወሳኪ በዳሊን ተበዳሊ ብሓደን ማዕረን ዝረኣዩ ኣግባብ ትክክል ከምዘይኮነ ዝገለጸ እንትኸውን ተበዳሊ ምቅጻዕ ነቲ ወራሪ ምብርትታዕ ከምዝኮነ ኣቀሚጡ።

ንህዝብን መንግስቲን ትግራይ ማዓረ ምስ በዳሊ ማዓቀብ ምግባር ብፍትሒ ምቅላድ እዩ ዝበለ መንግስቲ ትግራይ ምስ ዓርሰ ምክልካል ህዝቢ ትግራይ እውን ከምዝጻባእ ኣብሪሁ።

ማሕበረሰብ ዓለምን ሃገራትን ኣብ ኢትዮጲያ ዝተፈጸመ ገበን ኩሎን ወገን ተሓታቲ እዩም ብዝብል ናይ ገበን ምክፋል መልክዕ ዘለዎ ኣከያይዳ ዝከዱ ዘለው እንትኸውን ኣብ ልዕሊ ብሃገራት ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት ተኣዊጅዎ ተገዲዱ በዓሉ ኣብ ምክልካል ንዝርከብ ህዝቢ ትግራይ  ዝመላላእ ከምዝኮነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።