ንብረት ማሕበር ልምዓት ትግራይ፡ ከምዝዓነወን ከምዝተዘመተን ተገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ መሻርኽቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈትዎ ወራር ስዒቡ፣ህዝብና ኣብ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሞት፣ ስደት፣ ምፍንቓልን መከራን ከምዝበፅሖ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ንብረት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሓዊሱ ብዙሓት መሰረተ ልምዓትን ወሃብቲ ማሕበራዊ ግልጋሎትን ከምዝተወረረን ከምዝዓነወን ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ካብ ሕግን ስሪትን ማልት ወፃኢ ብጉባኤ ዝተመረፀ ኣመራርሓ ቦርድ ብምልዓል ሕጋዊ ዘይኮነ ጊዚያዊ ኣመራርሓ ቦርድ ክሽየምን ብኡ ክምራሕን ከምዝተገበረን ሓድነት ተጋሩ ንምሽርሻር ፣ማልት ካብ ተጋሩ ንምንፃል፣ሃፍቲ እታ ማሕበር ብዘይ ኣገባብ ንምንቅስቓስን ወፍሪ ልምዓትታ ንምትዕንቓፍን ሰፊሕ ተግባር ከምዝተፈፀመን ሓቢሩ።

ኮይኑ ግና ማልት ኣብ ፈታኒ ኩነታት ኮይና እውን እንተኾነ ንህዝቢ ወጊና ወሰንቲ ዕማማት እናሰርሐት ከምዝፀንሐትን ዓበይቲ መደባት ማለት ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ፣ ምግሃድ እንብህጋ ትግራይን ህንፀት ትካላውነት ማልትን ሓድነትና ብምድልዳል ብዓይነቱ ዝተፈለየ ወፍሪ ልምዓት ንምክያድ ማልት ምድላዋት ኣብ ምግባር ከምእትርከብ ኣረጋጊፁ።

ብምዃኑ እውን ንመላእ ህዝብናን ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ሎሚ እውን ከምትማሊ ኣብ ጎድኒ ማሕበር ልምዓት ተሰሊፉ እጃሙ ከበርክት እቲ መግለፂ ፀዊዑ።