ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተንዮ ብሊንከን ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ምስ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሳጎን ኣባሳንጆን ዘትዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንተንዮ ብሊንከን ምስ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሳጎን ኣባሳንጆን ንጉዳይ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ተዘራሪቦም።

ንዕኡ ሲዒቡ ድማ ፍሉይ ልኡኽ ኣመርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፌሪ ፌልትማን፣ ዋና ጻሓፊ ኢጋድን ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል፣ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኢንግሊዝ ኤልዛቤጥ ትሩስ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኔልስ ኣነንን ፍሉይ ልኡኽ ፈረንሳይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፌርዲሪክ ካልቬር ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።

ብምዃኑ እውን ኲናት ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝተወሰደ ተበግሶ ከምዝድግፍዎ ሓቢሮም።

ከምኡ እውን ኩሎም ሰበ ስልጣናት ብሓባር ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ደው ክብልን ኣብቲ ኩናት ዝሳተፉ ዘለው ኣካላት ናብ ዘተ ክኣትውን ሰላም ንኽምለስ ኩሉ ዘሳትፍ ዘተ ክግበር ፀዊዖም።

ከምኡ እውን ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኣካላት ዓለምለኻዊ ሕግታት ከኽበሩን ኣብ ስቓይ ንዘሎ ህዝቢ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ይግባእ ኢሎም።

መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኲናት ትግራይ ንኸብቅዕ ዝለዓለ ጠመተ ብምሃብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት ፀቕጢ ይገብሩ ምህላዎም ይፍለጥ።