መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ተመሊሱ ንገዛእ ርእሱ ከምዝበልዖ ተጋዳላይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንስኤ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻዊዒት ሰላም ማሕበረሰብ ዓለም ንጎኒ ገዲፉ ብዝተናበበን ዝተዋደደን መልክዕ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ምጅማሩ ሲዒቡ፡ ጀሚርዎ ዘሎ ሓዱሽ ውግእ ዝተናወሐ ከምዘይኸውንን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ምናልባት እውን ሰሙናት ከምዝዛዘም ተጋዳላይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንስኤ ንኒውዮርክ ታይምስ ገሊፁ።

እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰሙናት ክዳለወሉ ዝጸነሐ ሓዱሽ ወፍሪ ብድሮናት፣ ነፈርቲ ውግእን ከቢድ ብረትን ተዓጂቡ ከምዝጀመረን ቀፂሉ ድማ ብመሬት ብኣሸሓት ብዝቁጸሩ ሰራዊት ኢትዮጲያ መጥቃዕቲ ከምዝከፈቱን ብጸረ መጥቃዓቲ ሰራዊት ትግራይ ይምከቱ ከምዘለው ሓቢሩ።

“ጸላኢ ንሰሙናት ክዳሎ ከምዝፀንሐን ንሕና እውን ተመሳሳሊ ምድላው ንገብር ፀኒሕና” ዝበለ ጀነራል ጻድቃን እዚ ውግእ ኣዝዩ ወሳናይ ከምዝኾነን ከም ሳዕቤኑ ድማ ወተሃደራዊ፣ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ክሳራ ከምዝህልዎ ኣረዲኡ።

ተጋዳላይ ጀነራል ጻድቃን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ወይ ድማ ሰሙናት እቲ ሓዱሽ ወፍሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክምከት እዩ ምባሉ መዘራረቢ ዛዕባ ዲፕሎማሰኛታት ከምዝኾነን ምናልባት እውን ዕርበት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመላኽት እዩ ዝብሉ ብርክት ዝበሉ ተዓዘብቲ ኣለው።

ጀነራል ፃድቃን፡ ኣንፈት እቲ ኲናት ከነጽር እንከሎ መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኢትዮጲያ “ሰራዊት ትግራይ ፈሪሱ እዩ። ከም ሕሩጭ ተበቲኑ እዩ” ኢሎም እንተባጭው ተጋዳላይ ጀነራል ጻድቃን ሰራዊት ትግራይ ብክፍለ ሰራዊትን ኮራትን ከምዝተወደበን ዓወት ህዝቢ ትግራይ ዘይተርፍ ምዃኑን ኣብ በረኻ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ምስ ድምጺ ወያነ ኣቐዲሙ ዝተዛረቦን ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስዝበፅሖ ስዕረትን ዘተሓሕዝዎ ሰባት ብዙሓት እዮም።

እቲ ንፍትሕን ትክክለኛን ዕላማ ዝቃልስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዓወት ከምዝጎናጸፍን ጸላእቱ ድማ ስዕረት ከምዝጉልበቡ ኣቐዲሙ ኣንፊቱ ዝነበረ ጀነራል ጻድቃን መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዕንወት ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ኣስኪርዎም ሰራዊት ትግራይ ኣጥፉኢናዮ ኢሎም ኣብ ድግስን ፕሮፖጋንዳን ተጸሚዶም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ጀነራል ጻድቃን ንስዕረቶም ክመዓራረዩን ክዳለውን ብዝትዛረቦ መሰረት ልክዕ ኣብ ሓደ ወርሒ መቐለ ሓዊሱ ዳርጋ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ከምዝኣተወ ይዝከር።

ከምኡ እውን ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ጭሮኦም ደጊሎም ካብ ትግራይ ተበታቲኖም ክወጹኡ ከምዝተገደዱ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን እዚ ዘረባ ጀነራል ጻድቃን ብኣብዝሓ ብትኹረት ዝተኸታተለ ብዙሕ ሰብ ዋላ እኳ እንተዘይነበረ ልክዕ ኣብ ሓደ ወርሒ ግን ቃሉ ናብ ተግባር ተለዊጡ 21 ሰነ 2013 መቐለ ሓራ ከምዝወጸአት ይዝከር።

ድሕሪ እቲ ኣብ ከባቢታት ተንብየን ዝተገበረ መጥቃዕቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ማዕኸናት ዜና ዓለም ንጀነራል ጻድቃን ውሩይ ኣፍሪቃዊ ናይ ኵናት ስትራቴጂስት ኢለን ከሞግሳ ተራእየን ነይረን።