ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ነበር ሓጂ ስዩም ኣወል፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ትግራይ ተጸምቢሩ።

ህዝቢ ዓፋር፡ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ናብዚ መሰል ዓርሰ ውሳነኡ ተመንጢሉ ብምስለነ እቲ ጉጅለ ክመሓደርን ካብ ጉዕዞ ልምዓት ቦኺሩ ኣደዳ ድሕረትን ድኽነትን ከምዝኾነ ሓጂ ስዩም ኣወል ምስ ቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት ኣረዲኡ፡፡

ብምዃኑ እውን ኣንፃር እዚ ፋሽሽታውን ግፍዐኛን ስርዓት ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተወለድቲ ዓፋር ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ይፅምበሩ ከምዘለው ሓጂ ስዩም ገሊፁ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ነበር ሓጂ ስዩም ኣወል፡ ኣንፃር እዚ ስርዓት ተሰሊፎም ኣብ ቃልሲ ከምዝተሰለፉን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ዘብፅሖ ዘሎ ግፍዕን ጨፍጫፍን ተቓዊሞም ናብ ቃልሲ ከም ዝተፀንበሩን ኣረዲኡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኮነ ኢሉ መንገድታት ብምዕፃው ህዝቢ ዓፋር መንገድን ማዕኸናት መራኸብን ብምዕፃው ስዒቡ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ኣብሪሁ፡፡

ከምኡ እውን ስርዓት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣንፃር ህላወን መሰል ዓርሰ ውሳነን ህዝብታት ዝተልዓለ ከምዝኾነን ህዝቢ ዓፋር ብፍላይ ድማ መንእሰይ ዓፋር ነዚ ተረዲኡ እቲ ስርዓት ሓመድ ድበ ክሳብ ዝኣቱ ብዕቱብ ክቃለስ ከምዝግባእ ተላቢዩ፡፡

ህዝቢ ዓፋር ህላወኡ ኣረጋጊፁ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ብዝመረፆ መንግስቲ ክሳብ ዝመሓደርን ዘላቒ ጥቕምታቱ ክሳብ ዝረጋገፅን እቲ ቓልሲ ቐፃሊ ከም ዝኾነ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ሓቢሮም፡፡

ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ካብ ቁጠባውን ማሕበራውን ርክባት ብዝዘለለ ንምድምሳስ ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተገበረ መሪር ቃልሲ ብሓባር ከም ዝቆሰሉን ዝተሰወኡን ከምዝህሉ ብምግላፅ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ብሃይማኖትን ታሪኽን ዝተኣሳሰሩ ህዝብታት ምዃኖም እውን ተዛሪቡ፡፡

ቅድሚ ሕይ’ውን እንተኾነ ምክትል ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ናብቲ ብሰራዊት ትግራይ ዝምራሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝተጸምበረ ዝዝከር እዩ።