ናይ ባንኪ ሒሳብ ደፍተር ናይተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ካብ ሕጊ ወፃኢ ከምዝደስከለ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት 11 ወርሒ ከምዘቑፀረን ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 ዓም ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ካብ ትግራይ ተሳዒሩ እንትወፅእ ባንኪ፣ መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ኢንተርኔት፣ መጓዓዝያ ወዘተ ሓዊሱ መሰረታዊ ግልጋሎታት ብምዕፃዎም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፀገም ከምዝፈጠረ ክፍሊ ኣክዳሚክን ሞያን ድጋፍ ወሃቢ ሰራሕተኛታት ዩኒቨሲቲ መቐለ ሓቢሩ።

እቲ መግለፂ ካብዚ ብተወሳኺ ዓለም ለኻዊ ትካላት ረዲኤት ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ብምኽልካለን ብሚሊዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ናብ ሰብ-ስራሕ ሓደጋ ጥሜት ከምዘቃለዐን ገሊፁ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ባንኪ ኣካውንተን ካብ ሕጊ ወፃኢ ከይንቀሳቐስ ተዓፅዩ፣ ካብ ሓምለ 2013ዓ/ም ጀሚሩ በጀተን ብዘይምልኣኹ እዘን ዩኒቨርሲቲታት ንሰራሕተኛታት ደሞዝ ክኸፍላ ከምዘይከኣላ ኣብሪሁ።

በዚ ምኽንያት ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንጥሜትን ካልኦት ፀገማትን ከምዝተቓልዐ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ክካየድ ዝፀንሐ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተቛሪፁ፣ መንግስቲ ብዝወሰዶ ኣፍራሲ ስጉምቲ ምስ ሃገራውን ዓለምለኻውን ትካላት ብሓባር ዝሰርሖም ውጥናት ተኣጓጒሎም፣ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክህቦም ዝፀንሐ ማሕበረሰባዊ ግልጋሎታት ከምዘቋረፆ ኣረዲኡ።

ብፍላይ ንጎሮባብቲ ክልላትን ኤርትራን ሓዊሱ ንኣማኢት ኣሽሓት ሕሙማት ግልጋሎት ዝህብ ዝነበረ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብሕፅረት ገንዘብን ቀረብ መድሓኒትን ግቡእ ግልጋሎት ክህብ ኣብዘይክእለሉ ደረጃ ምብፅሑ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ትካላት ፌደራል፡ መንግስቲ ፌደራል ብፍሉይ ዘይግቡእ ተፅዕኖ ምፍጣሩ ዝተቓወመ እቲ መግለፂ እዚ ከይዲ ሕጊ ዝጠሓሰ፣ ኣድልዎ ዝተመልኦን ግቡእነት ዘይብሉን ብምዃኑ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላይ መፍትሒ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ሚኒስቴር ሳይነስን ላዕለዋይ ትምህርትን ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ዝግበር ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን፣ ስራሕቲ ምርምርን ከምኡ ውን ግልጋሎት ማሕበረሰብ ክቛረፅ፣ ተምሃሮ ነናብ ቤተሰቦም ከኸዱ ምግባሩ ይዝከር።