ትካል ገንዘብ ዓለም “አይኤምኤፍ” ቀፃሊ ኩነታት ቁጠባ ኢትዮጵያ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ንምእማት ተጸጊመ ኢሉ።

ትካል ገንዘብ ዓለም “አይኤምኤፍ” ካብ ዝቕፅል 2022 ክሳብ 2026 ዓ/ም/ፈ ኢትዮጵያ ዝህልዋ ድምር ምህርቲ ዕብየት “ጂዲፒ” ክእምት ከምዘይከኣለ ገሊፁ።

እቲ ትካል ነዚ ዝበለ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ብዘይተለመደ ምኽንያት ምንቁልቋል ብምህላው ንምግማት ከምዘፀግም ሓቢሩ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ሃገራዊ ምህርቲ ኢትዮጵያ ክልተ ሚእታዊ ዝተመዝገበ እንትኸውን እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ዝተሓተ ምዃኑ ኣቃሊዑ።

ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ መሪሕነት ህወሓት/ኢህወዴግ ንተኸታታሊ 10 ዓመታት 11 ሚእታዊት ዕብየት ቁጠባ ተመዝግብ ከምዝነበረት ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ዕብየት ካብ መንጎ ዝነበራ ሃገራት ሓንቲ ከምዝነበረት ይዝከር።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኵናት ምውላዓ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ወዲቓ፡ ናህሪ ዋጋ ሸቐጣ ሸጥን ሃለቕቲ ንብረትን ሰማይ ከምዝተቖለለ ይፍለጥ።