ሕቡራት ሃገራት፡ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ዘይተገደበን ዘላቕነት ኣቕርቦት ሰባዊ ሓገዝ ክኣቱ ክፈቕዱ ፀዊዑ።

መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ብጣዕሚ ዝተጎድኡ ቦታታት ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝርከቡ ብምጥቃስ ናብ ትግራይ ዝግበር ምጉዕዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ይተኣጓጎል ከምዘሎ ሓቢሩ።

እታ ብሕታዊ መንገዲ ብሰመራ-ኣብዓላ-መቐለ ከምዝኾነትን እዚ ውን ብዙሕ ዕንቅፋታት ዘለዎ ከምዝኾነን ክሳብ ሐዚ ክኣትዋ ካብ ዝነበረን ረዲኤት ዝፀዓና መኻይን እተን 14 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝኣተዋ ገሊፁ።

ነቲ ፀገም ህፁፅ መፍትሒ ንምሃብ መዓልታዊ 100 ረዲኤት ዝፀዓና መኻይን ከምዘድልያ ዝገለፀ “OCHA” ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ሕፅረት ነዳዲ ከምዘሎን በዚ ምኽንያት ብርክት ዝበላ መሻርኽቲ ትካላት መደበን ከምዘቋረፃ ኣፍሊጡ።

ብፍላይ መድሓኒት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ከምዝተኸልከለ ዝገለፀ እዚ ትካል በዚ ምኽንያት ህፃናት፣ ኣዴታትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።

ኣብዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ተሳዒሩ ካብ መቐለ ካብ ዝወፅእ ንደሓር ኩሎም ናብ ትግራይ ዝወስዱ መገዲ መራኸቢታት ተዓጽዮም ኣብ ዘለውሉ እዋን ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።