ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይዴን፡ ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ምስ ፕረዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ መኺሩ።

ብመሰረት ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዘውፀኦ ፀብፃብ ከምዘመላኽቶ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰል፣ ዲሞክራሲ፣ ቁጠባዊ ምዕባለን ኩነታት ለውጢ ኣየርን ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ መንጎ መንግስታት ዘሎ ርክባት ብምጥንኻር፣ ኣብ ነኒ ሕድሕድካ ምክብባርን ማዕርነትን ዝተመርኮሰ ርክባት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ንምድልዳል ንኽሰርሑ ተዘራሪቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ርክቦም ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ክርከብ ከምዘለዎ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ተሓቢሩ።

ፕረዚዳንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታ ዝሓለፈ ሰሉስ ንሑቡራት ሃገራት ፀብፃብ እንተቕርብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ወተሃደራዊ መዕለቢ ስለዘይረክብ ነቲ ኲናት ንምህዳእ ፖሎቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኬንያ፡ ንባይቶ ፀጥታ ሑቡራት ሃገራት ብግዚያውነት ትመርሖ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ፖሎቲካ ክፍለ ከምዘለዎ ብምግላፅ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ክኣቱ ገሊፃ ምንባራ ይዝከር።