ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ዝፀንሐት ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ “AGAOA” ደው ክተብሎ ከምእትኽእል ተገሊፁ።

ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ዝፀንሐት ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ “AGAOA” ደው ክተብሎ ከምእትኽእልን ኣብ ውሳነ ከምእትበፅሕን ተወካሊት ንግዲ ኣሜሪካ ካትሪን ታይ ሓቢራ።

እታ ሓላፊት ከምዝገለፀቶ ግልፂ ብዝኾነ መንገዲ ካብ ግበርቲ ሰናይ ዝመፁ መረዳእታታትን ሰብኣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ዘሰክፉ ከምዝኾኑ ገሊፃ።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 11 ወርሒ ዘቑፀረ ቅልውላው ኲናት ትግራይ፡ ዝፍፀም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል መፍትሒ እንተደኣ ዘይተገይሩሉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ “ኣግዋ” ምህርቲ ብናፃ ቀረፅ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ከስእና ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ፡ ብመንገዲ ኣግዋ ኣብ 2020 ዓ/ም ልዕሊ 237 ሚልዮን ዶላር ዝትመኑ ኣቕሑ ብዘይቀረፅ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ከምዘቕረበት ይግለፅ።

ኣግዋ፡ ትሕቲ ሰሃራ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኢንቨስትመንትን ብዙሕነት ፖሎቲካን ምምሕያሽ ንዘርኣያ ሃገራት ከም መበረታተዒ ዝወሃብ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብመንገዲ “ኣጎዋ” ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃብቲ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኮይኖም ኣብ 2012 ዓ/ም ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ ጥራሕ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምእትረክብ ይግለፅ።

እቲ ኢትዮጵያ እትረኽቦ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ “ኣጎዋ” መንግስቲ ኣሜሪካ ደው እንተደኣ ኣቢልዎ ምስቲ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋን ቅልውላው ቁጠባን ተዛሚዱ ኢትዮጵያ ናብ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩነታት ከምረሓ ተዓዘብቲ የረድኡ።