ግብፂ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኲናት “ድሮን” ቱርኪ ንኢትዮጵያ ክትሸጠላ ምስምዕማዓ ከምዘቖጠዓ ገሊፃ።

ኢትዮጵያ፡ ስረሓት ቱርኪ ዝኾና “ባይራክተር ቲቢ2” ዝተባህላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኲናት ነፈርቲ “ድሮን” ካብ ቱርኪ ንክትዕድግ ከም ዝሓተተት ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብምኽንያት እዚ ግብፂ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኲናት “ድሮን” ቱርኪ ንኢትዮጵያ ክትሸጠላ ምስምዕማዓ ከምዘቖጠዓ ሮይተርስ ንሰበስልጣን ግብፂ ብጥቃስ ኣረጋጊፁ።

ግብፂ፡ ክልቲአን ሃገራት ማለት እውን “ኢትዮጵያን ቱርክን” ክበፅሕኦ ዝኽእላ ስምምዕ ንከይፍፀም ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮፓን ኣሸማገልቲ ኮይነን ክኣትዋ ከምዝሓተት ተገሊፁ።

ከምኡ እውን ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ቅድሚ ምፍራማ ግብፂ ምስ ቱርኪ ክትዛተ ከምዘለዋ መርገፂ ከም ዝሓዘት ተሓቢሩ።

ግብፂ” ብምኽንያት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ከምዘላን ኣብ ሊቢያን ጉዳያት ባሕሪ ምብራቕ ሜድትራንያንን ድማ ምስ ቱርኪ ዘለዋ ርክብ ከምዘይቃደዋን ዝፍለጥ እዩ።

ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ነቲ ብፕሬዝደንት ቱርኪ ኣቢሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሓገዝ ጠጠዉ ከብል ዝሓትት ድምፂ ተቓዉሞ እናተሳለጠ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።