መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ሓደ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ኣብ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ።

ብዝተፈላለዩ ግንባራት ዝወለዖ ሓዱሽ መጥቃዓቲ ብጸረ መጥቃዕቲ ሰራዊት ትግራይ ተመኪቱ ስዕረት ዝጉልበብ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ከተማ መቐለ ንካልኣይ ግዜ ደብዳድብ ነፈርቲ ኣካይዱ።

እቲ ደብዳብ ሎሚ ንጎሆ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ከባቢ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ዝተፈጸመ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ ንብረት ካብ ዘብፆሖ ጉድኣት ብተወሳኺ ብርክት ዝብሉ ህጻውንትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ሰለማውያን ከምዝቆሰሉን ቁፅሮም ዘይተነፀረ ሰባት ከምዝሞቱን ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ሜዳ ኲናት ዝበጽሖ ዘሎ ስዕረት ሕነ ንምፋዳይ ኣብ ልዕሊ ሰልማዊ ሰባትን ህዝባዊ ትካላትን ደብዳብ ዘካይድ ዘሎ እንትኸውን እተን ኣብ ትግራይ እናሃለወ ዘየዕነወን ከም መሰቦ ሲሚንቶ ፋብሪካን መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግን መሊኡ ንምዕናው ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ዕላማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ምብራቅ ኣምሓራ ሰራዊት ትግራይ ሓያል መከተ ብምግባር ሓደሽቲ ቦታት ምቁፅፃሩ ስዒቡ ነዚ ንምድኻም እዩ ዝብለ ኣብ ክራይስስ ጉሩፕ ተንታኒ ዊልያም ዴቪሰን ካብ ሰብ ሓይሊ ወፃኢ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተረፎ ልዕልነት ነፈርቲ ጥራሕ ከምዝኾነ ይገልፅ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ እቲ ውግእ ኣብ ክልል ኣምሓራ ግንባር ደሴን ጭፍራን እናተካየደ እዚ ሰጊሩ መቐለ ዝድብድበሉ ዋና ዕላማ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባትን ንብረት ዓሊሙ መጥቃዕቲ ንምፍጻምን  እንትኸውን መሰረተ ልማዓት ትግራይ ኣዕኒካ ብቁጠባ ዝደቀቀትን ዝተዳኸመት ትግራይ ንምፍጣር ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።