ማሕበረሰብ ዓለም ዝገብሮ ዘሎ ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ጻዊዒት ግልጽነት ከምዝጎድሎ ምሁራን ገሊፆም።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጲያ ዝግበር ዘሎ ኲናት ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕን ብተደጋጋሚ ተኲሲ ደው ናይ ምባል ጻውዒት እንናቀረበ ይርኸብ።

መንግስቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘተ ዝተመስረተ ተኩሲ ድው ናይ ምባል ስምምዕነት ክፍጸም ድልውነቱ እናገለጸ ዋላ ዝርከብ እንትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝቀርበሉ ዘሎ ጻዊዒት ነጺጉ ኣብ ሓዱሽ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተጸሚዱ ይርከብ።

እንተኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ዝገብሮ ዘሎ ተኺሲ ደው ናይ ምባል ጻዊዒት ንጽር ከምዘይኾነ ሙሁራት ትግራይ ገሊፆም።

ተጋዳላይ ሙሉጌታ ገብረሂወት(ጫልቱ) “the definition and politics of ceasefire” ኣብ ዝብል ናይ ቀረባ ጽሕፉ ማሕበረስብ ዓለም ዝገብሮ ዘሎ ተኲሲ ደው ናይ ምባል ጻዊዒት ብዕላማን ትሕዝቶን ዘይነጸረ ከምዝኮነ የቅምጥ።

እቶም ብሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዝቐርቡ ዘለው ፃዊዒታት ነየናይ ዕላማ ምኳኑ ዘይነጸሩን ትሕዝቶኦም እውን ብደንቢ ዘይተፈለጡ ከምዝኾኑ ኣብ ዝርዝር ጽሑፉ የብርህ።

ተኲሲ ድው ናይ ምባል ስጉምቲ ምክንያቱን ዕላማኡን ከምዝፈላለ ዝፃሓፈ ሙሉጌታ ጫልቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝወሰዶ በይናዊ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ከም ኣብነት ስዕረት እንትገጥመካ ንምድላውን ዳግም ምትዕርራይ ንምግባርን ዝውሰድ ወታደራዊ ስልቲ ከምዝኮነ ይሕብር።

እቲ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ንፖለቲካዊ ዘተ ምትእማን ዓሊሙ ካብ ምግባር ጀሚሩ ክሳብ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝግበር ከምዝኮነን ትሕዝቶ እቲ ስምምዕነት ድማ ብዙሕ ወታደራዊን ፖለቲካውን ዋኒናት ዘጠቃልል ከምዝኮነ ይገልጽ።

ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ኣኽሱማይት ሚድያ ፃኒሒት ዝገበረ ሙሁር ሕጊ ኣይተ ኣዲስ ኣለም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዝጽውዖ ዘሎ ተኲሲ ደው ናይ ምባል ፃዊዒት መሰረታዊ ጽንሰ-ሓሳብ እቲ ዋኒን ካብ ዘይምፍላጥ ዋላ ኣይኹን ብዙሕ ምርድዳእን ግልጽነት ከምዘይብሉ ይዛረብ።

ነቲ ዘሎ ተፃቦኦ ንምፍታሕ ተኲሲ ድው ናይ ምባል ስጉምቲ ናይ መጀመርያ እምበር ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ከምዘይኮነን ብድሕሪ እቲ ተኲሲ ጠጠው ናይ ምባል ጻዊዒት ፖለቲካዊ ዘተ ከምዝቅጽል የቅምጥ።

ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነትን ፃዊዕትን ክግበር እንተኮይኑ ዝርዝር ጉዳያት እውን ዘጠቃልል ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣዲስኣለም እቲ ስምምዕነት ዘጠቃልሎ ጉዳያት ብምልኡ ብዝርዝር ዝቀምጥን እቶም ዋና ሓይልታት ዘሳትፍን ክኸውን ከምዝግባእ ይዛረብ።

ትግራይ ኣብቲ ክግበር ዝክእል ዘተ ብቁጽሪ ናይ ምብላጽ ዕድል ከምዘለዋን ግዜ ንምሕጻርን ኣብ ስምምዕነት ንምብጻሓን እቲ ዘተ ብዋናነት ኣብ መንጎ ኲናት ዝተኣዎጆ መንግስቲ ትግራይን ኲናት ዝኣወጀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸውንን ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ሓይልታት ውሑዳት ክኸውን ይግባእ ይብል።

ብካልእ ወገን ድማ ነቲ ስምምዕነት ሲዒቡ ኣብ ዝመጽእ ፖለቲካዊ ዘተ ኩሎም ሓይልታት ኢትዮጲያ ክሳተፉ ከምዝግባእ ኣብሪሁ።

ነበር ፕሬዝደንት ሃገረ ናይጀርያን ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ከም ኣሸማጋሊ ምሕራይን ሕብረት ኣፍሪካ ስራዊት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሕ ዝገበሮ ጻዊዒት ከምዝሓተተን ነበር ፕሬዝደንት ናይጀርያ ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ፍሉይ ልኡክ ሕብረት ኣፍሪካ ዘይኮነስ ፍሉይ ልኡኽ ሙሳ ፋቂ ከምዝኮነ ሓቢሩ።

ሙሳ ፋቂ ከም ኮሙሽነር ካብ ፈለማ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ደጊፉ ከም ዝነበረን ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ክወሃቦ ዝግብኦ ትኩረት ብዘይምሃቡ ዘይሻራዊ ትካል እዩ ምባል ኣይከኣልን ክብል ኣብሪሁ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዝግበር ዘሎ ኲናት ሕብረት ኣፍሪካ ካብ መሰረቱ ከምዘይተረዶ ዝዛረብ ኣዲስኣለም ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ውሽጢ ዝግበሩ ውግኣት ብፖለቲካዊ ፍልልይ ዘይኾነስ ስልጣን ንምቁፅጻር ዝግበሩ ስለዝኮነ ናይ ስልጣን ክፍፍል ናይቲ ጎንጺ መፍትሒ ጌሮም ከምዝወሰዶን ነዚ ድማ ስልጣን ክፍፍል ከም መፍትሒ ብምውሳድ ዕጥቂ ፍትሑ እንተበሉ ክገርመና ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።