መንግስቲ አውስትራሊያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ዝገበሮ ደብዳብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉ ኣፍሊጡ።

ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣውስትራሊያ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣስታት ሓደ ዓመት ክመልኦ ዝተቓረበ ቅልውላው ኲናት ትግራይ፡ ብርክት ዝበሉ ሰለማውያን ሰባት ኣብ ከቢድ ስቓይ ምውዳቖም ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ቶኽሲ ደው ብምባል ብህፁፅ ሰለማዊ ዘተ ክገብሩ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየዶ ደብዳብ ከቢድ ሻቕሎ ከምዝፈጠረሉ ኣብቲ ዝወፀ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ከይኣቱ ዝግበር ዕፅዋን ፆታዊ ዓመትን ብፅኑዕ ከምዘውግዞ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ኣብ ስቓይ ንዘለው ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሖም፡ ትካላት ረዲኤት ብዘይገደብ ክኣትው ክፍቀደሎም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።