ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ደብዳባት ነፈርቲ ዘፈፅሙ ዘለዉ ኣብረርቲ በዓል መን ምዃኖም ነበር ኣብራሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካፕቴን ተኽለብርሃን ኣቃሊዑ።

ነበር ኣብራሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካፕቴይን ተኽለብርሃን እዘን ህዝቢ ትግራይ ንምድብዳብ ዝተሰደዳ ነፈርቲ ብምብራርን ብምትሕብባርን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ጉድኣት ዘብፅሑ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ፣ ኮሎኔል ብሩክ ሰይፉ፣ ሓለቓ ሽሕ ሰሰሎሞንን ሓለቓ ሽሕ ሚልዮን ኣጥናውን ከምዝኾኑ ኣቃሊዑ።

ኣብቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ጀሚሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ዝተወልዖ ኲናት ኣብ ማእኸል ከተማን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ደብዳባት ነፈርቲ እናካየደ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕላማ ዘይብሉ ደብዳባት ነፈርቲ ብምክያድ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ሞት ክኸውንን ክርዕድን ክገብር ፀኒሑ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሚስጥር ይሕለው ዝነበረ መዋፈሪ ሓይሊ ኣየር ፕሬዝደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብምዕዳም ዑደት ክገብር ፈቒዱን ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ዝነበሩ ተጋሩ ኣብረርቲ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወጠኖ ህዝቢ ናይ ምፅናት ዕላማ ኣይሓገዙን ብዝብል ካብ ስርሖም ክሰናበቱ ተገይሩ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ከተማ መቐለ ብምድብዳብ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ክበፅሕ ገይሩ እዩ።