መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ሓደ መደራደሪ ነጥቢ ገይሩ ከምዝጥቀመሉ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ሓደ መደራደሪ ነጥቢ ከምዝጥቀመሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ምስ ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተሬዝ ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት ተሌፎን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ፃንሒት ስልኪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝነበረ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ክለዓል እንተኮይኑ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን መሊኡ ክለቅቕ ኣለዎ ዝብለ እንትኸውን ውድብ ሕብራት መንግስታት ናብ ትግራይ ዘብጸሖ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍቀደሉ እንተኮይኑ ሰራዊት ትግራይ ካብቶም ቦታታት ክወጽእ ከምዝግባእ ብግልጺ ከምዝተዛረበ ክልተ ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ጠቂሱ ብሉንበርግ ጸብጺቡ።

እዚ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምእማኑ ብተወሳኪ እቲ ዕጽዋ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ልምድታትን ብምጣሓስ ኣዝዩ ብዘሕፍር መልክዑ ንወታደራዊን ፖለቲካዊን መሸማገሊ ነጥቢ ከምዝጥቀመሉ ብግልጺ ዘመላክት እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ኮነ ኢሉ ይጥቐመሉ ዘሎ እንትኸውን ዝኮነ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣትው ብምዕጻውን መሰረታዊ ኣገልግሎት ክቋረጽ ብምግባርን ትግራይ ኣብ ከቢድ ጥምየት ክትወድቅ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ማዕኸናት ዜና ዓለም ኣብ ምጽብጻብ ይርከባ።

ኣብ ሑቡራት ሃገራት “Rule 53” ተባሂሉ ዝፍልጥ ዓለም ለኻዊ ተቀባልነት ዘለዎ ልማዳዊ ሕጊ “customery international law” ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ዝክልክልን ዘውግዝን እንትኸውን ካብዚ ብተወሳኪ “additional protocol two” ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ሕጊ ዓንቀጽ 14 ድማ ጥምየት ከም መሳራሒ ኲናት ምጥቃም ዝክልክል እዩ።

ብተወሳኪ “common artile 3” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ጄኔቫ ኮንቬሽን ተዋጋእቲ ሓይልታት ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ከይጥቀሙ ብጥብቂ ዝክልክል እንትኸውን ባይቶ ፀጥታ ሕብራት ሃገራት ኣብ 2018 ኣብ ዘውጽኦ 2417 ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ውሳነ ሓሳብ እውን ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ሃገራት ከይጥቀማ ዝክልክል እዩ።

እንተኮነ መንግስቲ ኢትዮጲያ እዞም ተቀባልነት ዘለዎም ዓለም ለካዊ ሕግታት ብምጥሓስ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ካብ ምጥቃም ሓሊፉ እቲ ዘንበሮ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ንወታደራዊ ፖለቲካዊን መደራደሪ ነጥቢ ኣብ ምጥቃም ይርከብ።

ብሰንኪ መንግስታዊ ፖሊሲ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝን ወራርን ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ህፁጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ እንትኸውን ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ጥምየት ወዲቑ ከምዘሎ ይፍለጥ።