ህዝቢ፡ ካብ ዓቕሊ ፅበት ደብዳብ ነፈርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር፡ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።

ፋሽሽታውያን ሓይልታት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣዋሪሕ ተዳልዮም ዘካየድዎ ተደጋጋሚ ፈተነታት፡ ምሉእ ብምሉእ ዘምከነ ፅኑዕ ህዝባዊ ሰራዊትና ብምቕፃል ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ብምስግጋር ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ኣዝዩ ከቢድ ኪሳራ ከምዘውረደ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ገሊፁ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ኣብዚ ሰሙን ዘመዝገቦም ድሙቛት ዓወታት ድማ ብኹለመዳይ መቐይሮ ነጥቢ ተገይሩ ዝውሰድ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ከምቲ “እንዳ ዕኮት ኣይትተንኪ፣ ደሓር ከይትበኪ” ዝበሃል ሐዚ ፀላእቲ እታ መሸንቆቆ ናብ ክሳዶም ትዘውር ከምዘላ ከምዝተገንዘቡን እዞም ብማእለያ ዘይብሎም ገበናት ዝተጨማለቑ ሓይልታት ብሓሶትን ምድንጋርን ካብዚ ንላዕሊ ክቕፅሉ ከምዘይኽእሉ ከምዝተገንዘቡ ዶክተር ደብረፂዮን ኣብሪሁ።

ብምዃኑ እውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣይንቕድሚት ኣይንድሕሪት ኮይንዎም፣ ዝገብርዎን ዝሓስብዎን ጠፊእዎም ኣብ ናይ መወዳእታ ዓቕሊ ፅበት ብርኪ ከምዝበፅሑ ሓቢሩ።

እቲ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ንፁሃን ዜጋታት ዒላማ ዝገበረ ደብዳባት ነፈርቲ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዘካይድዎ ልሙድ ተግባርን መለለዪ ባህሪኦምን ዘርኢ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ብምዃኑ እውን ህዝብና በቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቀቢፀ ተስፋ ግፍዕታት፣ ዝያዳ ቃልሱ ከሕይል፡ ናይ ውድቀቶም ጊዜ ከሳልጥ እተዘይኮይኑ ንስዕረቶም ክቕይሮ ከምዘይኽእል ገሊፁ።

ስለዝኾነ እውን ህዝብና፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ግቡእ ጥንቃቐታት ክገብር ከምዘለዎ ዶክተር ደብረጽዮን ኣተሓሳሲቡ።