ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘምለሰቶ ግዝኣት ኣልፋሽቓ ጽቡቕ ኣዝመራ ከምዝሓፈሰት ኣፍሊጣ።

ሱዳን፡ ድሕሪ 25 ዓመት፡ ኣብ 142 ሽሕን 800ን ሄክታር መሬት ዝተዘርአ ምህርቲ ኣዝመራ ከምዝሓፈሰት ኣብ ምብራቕ ሱዳን ምክትል ቢሮ ሕርሻ ገዳሪፍ ኣሕመድ ሃሳ ኣሎባ ሓቢሩ።

ከምኣገላልፃ እቲ ምክትል ቢሮ ሕርሻ፡ ሱዳን ድሕሪ 25 ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስና ልሙዕ መሬት ኣልፋሽቃ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ሕርሻ ከምዘሳለጠት ኣረዲኡ።

ቅድም ክብል ኣብቲ ከባቢ ፀገም ፀጥታ ከምዝነበረን ሐዚ ምህርቲ ህርሻ ኣብ ዝእከበሉ እዋን ግን ዝኾነ ዓይነት ፀገም ፀጥታ ከምዘየለ ኣሕመድ ሃሳ ገሊፁ።

ኣብ ልሙዕ መሬት ኣልፋ ሽቃ ምህርቲ ዘይቲ ሓዊሱ ከም ሰሊጥ፣ ጡጥ፣ ምሸላን ዕምባባ ሱፍን ብስፍሓት ተዘሪኡ ከምዝተሓፈሰ ሓቢሩ።

መሬት ኣልፋሽቃ፡ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብ ልሙዕ ተሓራሲ መሬት እንትኸውን ክልቲኤን ሃገራት ብሕቶ ይግበኣኒ ከምዝዋጠጣሉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ምክያዱ ሲዒቡ፡ ሱዳን መሬተይ እዩ ንእትብሎ ኣልፋሽቃ ብሓይሊ ወሪራ ከምዝሓዘቶ ይዝከር።