ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ትግራይ ቃልሱ ዝያዳ ንኸሕይል ከምዘሐርኖ ተንታኒ ፖለቲካ ዊልያም ዴቪድሰን ገሊፁ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ብኣንፈት ክልል ኣምሓራ ንቕድሚት ምግስጋሱ ሲዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰማይ ዘለዎ ልዕልነት ተጠቂሙ ኣብ ኢዱ ዝተረፎ ብሕታዊ ኣማራፂ ይጥቀም ከምዘሎ ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ተንታኒ ጉዳያት ፖሎቲካ ኢትዮጵያ ዊልያም ዴቪድሰን ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ረዲኤት ከይኣቱ ብምኽልካል፣ ኤሌክትሪክ፣ ባንክን ቴሌኮሙኒኬሽንን ከይህሉ ብምዕፃው ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቖ ዴቪድሰን ምስ ፍራንስ 24 ዝነበሮ ፃንሒ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ማእከል ከተማታት ትግራይ ቁምቡላታት ብምድርባይ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቖን እንተኾነ ግን ህዝቢ ትግራይ እዚ ኩሉ ኣካል ኲናት ገይሩ ከምዝሓስቦ ኣብሪሁ።

ብምዃኑ እቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኢትዮጵያ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዘዳኽም ዘይኮነስ እኳ ደኣስ ዝያዳ ክፃወርዎን ከምዘሐርኖምን ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሰራዊት ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ዝተዋደደ ፀረ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ መቐለ ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየደን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባትን ንብረትን ጉድኣት ከምዘብፀሐን ዝፍለጥ እዩ።

ነዚ ሲዒቡ እውን ሑቡራት ሃገራት፣ ሃገራት ኣውስትራሊያን ኣሜሪካን ነቲ ክስተት ብምፅራይ ብፅኑዕ ከምዘወግዛኦን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነናን ይዝከር።