ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ንውሳነ H.R.445 ከምዘመሓየሾ ገሊፁ።

እቲ ዝተመሓየሸ ውሳነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀመ ኩሎም ቅልውላዋትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምኹናን ኣብዚ ኢድ ንዘለዎም ሓይልታት ኲናት ደው ከብሉ፣ ሰብኣዊ መሰል ከኽብሩ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ክኣቱ ክፈቕዱን ዝፈፀሙ ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረዩን ፀዊዑ።

ኣሜሪካ፡ ነቲ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፋ ኣባል ባይቶ ካረን ባስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ነቲ ብዓሌት፣ ፖሎቲካን ታሪኽን ዝተሓላለኸን ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣብ ዘተ ዝተመርኮሰ ሰላምን መፍትሕን ክመፅእ ከምዝሕግዝ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝተላበዐን በዚ እንተደኣ ቀፂሉ ድማ ናብ መላእ እታ ሃገር ክሰፍሕ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

ነዚ ኩነታት ንምፅናዕ ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣባል ባይቶ ሳራ ጃኮብ ዝርከብዎ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይን ካልኦት ኣካላትን ተዘራሪቦም ከምዝተመለሱ ኣዘኻኺሩ።

ብምዃኑ እውን ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ መፍትሒ ከምዘይብሉን እታ ሃገር ትበታተን ከምዘላን ናብ ዝኸፍአ ፀገም ተምርሕ ከምዘላን ኣረዲኡ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ደው እንተዘይኣቢልዎ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ እትረኽቦ ዕድላት ናፃ ቀረፅ ዕዳጋ ከስእና ከምዝኽእልን ኣደዳ ኩሎም ዓይነታት እገዳ ክገብራ ከምዝኽእል ድማ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ኣዚዩ ዝኸፍአ ፖሎቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያውን ቂጠባውን ኪሳራ ከምዝወደቐ ይፍለጥ።