ኣብ ዓፋር ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣዋሽ ኣርባ ንመፈፀሚ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይዉዕል ከም ዘሎ ተገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ዘተኣኻኸቦም ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ወገናት ብመንነቶም ጥራሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣዋሽ ኣርባ ሓይርዎም ይርከብ።

ኣብዚ ቦታ ተኣሲሮም ዘለው ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ድማ ንዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይቃልዑ ምህላዎም ኣፍሪካን ኣርጉዩመንት ዝተብሃለ ማዕኸን ሓበሬታ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ምርግጋፁ ቲኤምኤች ፀብፂቡ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ ንተወለድቲ ብሄር ትግራይ ጥራይ ዘነፃፀረ ምዃኑን ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ 50 ሰባት ከምዝርከቡን እቲ ማዕኸን ዜና በፂሐዮ እየ ኣብ ዝበሎ ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

ካብቶም ብትእዛዝ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዘይገበኖምን ንፓለቲካዊ ከስቢ ክንገደሎም ፀኒሑ ካብቲ ቤት ማእስርቲ ንቡዙሕ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ካብ ዝተፈትሑ ኣዘራሪቡ ኣብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ሰባት ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ብሂወት ክወፁኡ ከቢድ ምዃኑ ከምዝገለፁ እቲ ማዕኸን ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ድማ ንቡዙሕ መዓልታት ብዘይ ምግብን ማይን ከምዝፀንሑ እቶም ግዲያት ነዚ ማዕኸን ዜና ከምዝሓበሩን ንኣዋርሕ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ንደገ ምዉፃእ ከምዘይተፈቐደሎምን ብርሃን ፀሓይ ከይረኣዩ ዝተዳጎኑ ተጋሩ ከምዘለዉ እዉን ምግላፆም ጠቒሱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ገለ ዝተመረፁ ሰባት ድማ ንኸቢድ ኣካላዊ መግረፍትን ሃሰያን ዝተቓለዑን ምዃኖም እቶም መሳኻኽር ዓይኒ ተጋሩ ኣቃሊዖም።

ኣብ ኢዋሽ ኣርባ ዝርከብ እሱር ኩሉ ተወላዲ ትግራይ ምዃኑን ካብ ኣዲስኣበባ ተሓፊሱ ዝተወሰደ ምኾኑን እዉን ወሲኾም ነቲ ማዕኸን ሓበሬታ ኣፍሪካን ኣርጉዩመንት ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ካብቶም እሱራት ብፉሉይ ሰባት እናተፈለዩ በቢእዋኑ ከምዝዉሰዱን ናበይ ከምዘብፅሕዎምን እዉን ኣይንፈልጥን ዝበሉ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከም እምነት እቲ ማዕኸን ሓበሬታ ግን እናወሰዱ ይርሽንዎም ከምዝህልው ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱን በቲ ኣብ ሜዳ ብሰራዊት ትግራይ ዘጋጥሞ ዘሎ ስዕረት ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ማእኸል ዓድን ካልኦትን ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝርከቡ ተጋሩ እናኣከበ ናብ መዳጎኒ እሱራት እናእተወ ከምዝፀነሐን እዚ ተግባሩ ድማ ሐዚ እዉን ይቕፅለሉ ከምዘሎን ይፍለጥ።