ዉድብ ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ “ኦፌኮ” ኣብቲ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝቐረበ ጻዊዒት ሃገራዊ ዘተ ክሳተፍ እንተድኣ ኾይኑ እቲ ዘተ ብዘይሻራዊ ኣካል ክምራሕ ኣለዎ ክብል ቅድመ ኩነት ኣነጺሩ።

ብፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ዝምራሕ ዉድብ ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስ “ኦፌኮ” መንግስቲ ኢትዮጲያ ከካይዶ እየ ኢሉ ዝወሰኖ ሃገራዊ ዘተ ዋላ እኳ ዝደንጎየ ዉሳነ ይኹን ኮይኑ ግን ቅድሚ ተፈፃምነቱ ክትግበሩ ዝግበኦም ኢሉ ዝርዝር ነጥብታት ኣዉፂኡ።

በዚ መሰረት ድማ ፈለማ ብስም ሕጊ ምኽባር ፀኒሑ ድማ ናብ ምርግጋፅ ህልዉና ተባሂሉ ዝተቐየረ ኩናት ብኹሎም ሸነኻት ተዂሲ ደዉ ክብልን ሃገራዊ ዘተ ክግበር ከም ዝግባእ እቲ ዉድብ ገሊፁ።

ብተወሳኺ እቲ ዝፍፀም ዘተ ብብርኪ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣፍልጦን ድጋፍን ዝተዉሃቦም ኢሉ እዉን ዘይሻራዊን ተኣማንን ብዝኾነ ኣካል ክምራሕ ይግባእ እዉን ኢሉ።

ካልእ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ኩሎም ዕጡቓት ተናሓናሕቲን ፓለቲካዊ ዉድባትን ዘካተተ ክኾንን ነዞም ኣካላት ዘተዓናቕፍ ዝኾነ ዓይነት ፈተና ካብ በዝሕጂ ክእለ ከምዝግባእ እዉን እቲ ዉድብ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቶም ንስልጣኑ ዕንቅፋት ክኾኑኒ እዮም ኢሉ ብዘይፍትሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጊንዎም ዘሎ እሱራት ፖለቲካ ኩሎም ተፈቲሖም ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ንኽሳተፉ ክፈቅድ ከምዝግባእ ክብል መግለፂ ኦፌኮ ኣተሓሳሲቡ።

ቅድም ኢሉ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ንሃገራዊ ዘተ ቅሩብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ቅድሚኡ ግን ክፍፀሙ ይግበኦም ኢሉ ዘቐመጦም በዓል ሸዉዓተ ነጥቢ ቅድመ ኲነት ብዝርዝር ኣቐሚጡ ምንባሩ ይዝከር።

ካብኣቶም እዉን ሰራዊት ኢትዮጲያ፣ ኤርትራን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ካብ መሬት ትግራይ ክወፁ፣ ተኹሲ ጠጠዉ ክብል፣ እቲ ዘተ ኩሉ መዳያዊ ተሳትፎ ክህልዎን ዘይሻራዊ ኣካል ክመርሖን ዝብሉ ይርከብዎም።