መብዛሕትኦም ብዩኔስኮ ዝተመዝገቡ ሓድግታት ስነ-ጥንቲ ኣክሱም ብሰራዊት ኤርትራ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ገሊፁ።

መቐለ፥ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ብዘካየዶ ዳህሳስ ኣብ ኣክሱም ዝርከቡ መብዛሕትኦም ብዩኔስኮ ዝተመዝገቡ ቅርስታት ስነ-ጥንቲ ብሰራዊት ኤርትራ ኮነ ተባሂሉ ብደብዳብ ከቢድ ብረትን ምጉሓልን ዝተዋደደ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ኣፍሊጡ።

እቲ ዳህሳስ ከምዘመላኽቶ ቤተ መንግስቲታት ንግስተ ሳባን ተኽኣ ማርያምን ከምኡ እውን መካነ መቓብር ሃፀይ ካሌብ፣ ሙዝየም ኣክሱምን ስነ-ኳዕቲ ቤተጊዮርጊስን ብሰራዊት ኤርትራ ብዝተገበረ ደብዳብን ንዕኡ ስዒቡ ንዝተፈጠረ ጉሕለት ቅርስታትን ተቓሊዖም።

በዓል ሞያ ዕቀባ ስነ-ህንፃ ኣይተ መኮነን ሓድጉ ኣብ ኣክሱም ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ “ነቲ ካብ ሓደ እምኒ ዝተፀረበ ብጥበብ ስነ-ህንፃ ኣኽሱማውያን ዝተሰረሐ መካነ መቓብር ሃፀይ ካሌብ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውሽጢ ኣትዮም ብከቢድ ብረትን ፈንጅን ብምውቃዕ ጉድኣት ኣብፂሖምሉ እዮም” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ፋሽሽታውያን ወረርቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ምዕናው ሓድግታት ኣክሱም ትሉም ብዝኾነ መንገዲ ዝሰርሑሉ ምኽንያት “ተጋሩ ከምመርኣያ ንወስዶ መንነታዊ ውርሲ ከይተርፍ ዓሊሞም ዝፈፀምዎ ኣካል ምፅናት ዘርኢ ተጋሩ እዩ” ድማ ኢሉ።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ቅርስታት ዝበፅሑ ዕንወታት ኣብ ወርሒ ሕዳር ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ከባቢ ተቖፃፂሩ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ኣክሱምን ካልኦት ግፍዕታትን ኣብ ዝፈፀመሉ እዋንን ምዃኑ ዘመላኽት እቲ ሪፖርት ድሕሪ እቲ ኣብ ማእኸላት ቅርሲ ኣክሱም ዝተኻየደ ደብዳብ ከበድቲ ብረት ስርዓት ኣልቦነት ክነግስ ብምግባር ኮነ ተባሂሉ ሓድግታት ክጠፍኡን ክዓንውን ከምዝተገበረ የረድእ።

ነቶም ቅርስታት ከም መፅለሊን በሪን ኮይኖም ዘገልግሉ ሰገነት፣ ቆርቆሮን ማዕፆን ከይተረፈ ብሰራዊት ኤርትራ ምውሳዶምን ምዕናዎምን ዝገለጸ ኣይተ መኮነን ሓድጉ በዚ እውን እቶም ሓድግታት ተቓላዕቲ ብምዃኖም “ንኣብነት ኣብ ዘበነ ስልጣነ ኣክሱም ከም መለዋወጢ ኮይኖም የገልግሉ ኔሮም ኣብ ሙዝየም ኣክሱም ተዓቂቦም ዝነበሩ 24 ሳናቲም ተጉሒሎም እዮም” ኢሉ።

ብተወሳኺ ቤተ መንግስቲ ተኽኣ ማርያም ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ብከቢድ ብረት ከምዝተወቐዐ ዘረድእ ሰነድ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ በዓል ሞያ ዕቀባ ስነ-ህንፃ ኣይተ መኮነን ሓድጉ እውን “ስነ-ኳዕቲ ታእካ ማርያም ከቢድ ብረት ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ እቲ ሓድጊ ዓሪፉ እዩ።

ስለዚ እንትዓርፍ ከሎ እቲ ነባር ቤተ-መንግስቲ ብነጥሪ እቲ ከቢድ ብረት ግድግድኡ ተኾዓዒቱ ነቒዑ ቆርቆርኡ እውን ተቐዲዱ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ሰገነት ቤተ መንግስቲ ንግስተ ሳባ ምዕናው ዝገለጸ ኣይተ መኮነን መፅለሊ ስነ-ኳዕቲ ቤተ ጊዮርጊስ እውን ብምጉሓሉ እቶም ማእኸላት ስነ-ኳዕቲ ንሓደጋ ምቅልዖም ኣብሪሁ።

ኣብ ከባቢ ጎቦ ዱራ ዝርከቡ ጥንታዊ ሓድግታት ጥንታውነቶም ሓልዮም ከይኸዱ ብምኽንያት እቲ ኲናት ሰብ-ሰራሕ ሓደጋታት ከምዝበፀሖም’ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ከባቢ ጥንታዊ ሓድግታት ኣክሱም ሓደሽቲ ህንፀታት ይስርሑ ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣይተ መኮነን ጥንታውነትን ኣሰር ስልጣነት እቶም ሓድግታት ዘህስስ ብምዃኑ ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ምዒዱ።