መብዛሕቲኤን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ መዕቖቢ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ስለዝኾና ንምጅማር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብኣሉታ ከምዝጸለዎ ተገሊጹ።

መቐለ፡ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ኲናት ዝጠሓለ ስነ-ልቦናዊ ወጥሪ ህፃናት ንምሕዋይን ወለዶ ንምቕፃልን ትማሊ ሰኑይ 15 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ካብ 1ይ-6ይ ክፍሊ ትምህርቲ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ።

ኣመራርሓ ትምህርቲ ወረዳታትን ዞባታትን ትግራይ ብወገኖም ብወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ትግራይ ዝበፀሐ ዕንወት ከቢድ እኳ እንተኾነ ምስ ህዝቢን መሓዙት ልምዓት ትምህርትን ብምምኽኻር ብኸይዲ ዝጎደለ እናማልኡ ትምህርቲ ከምዝጅምሩ ገሊፆም።

ካብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ዓዲግራት መምህር ዮውሃንስ ብርሃነ “ኣብ ከተማና ምዝገባ ተምሃሮ 92% በፂሕና ኣለና። ዝተርፍ ውሱን ኣብ ከይዲ እቲ ትምህርቲ ክመፅእ እዩ ኢልና ትፅቢት ንገብር ኣለና” ኢሉ።

መምህር ዮውሃንስ ብርሃነ ትምህርቲ ንምጅማር ዘጋጠምዎም ፈተናታት እንትጠቅስ “ከም ከተማና ብርክት ዝበለ ተፈናቓላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ተዓቒቡ፤ ከባቢ 30 ሽሕ ተመዛባላይ ኣብ ሰለስተ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እዩ ዘሎ” ክብል ሓቢሩ።

እቶም ተመዛበልቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ቀፅሪ ምውፃእ ወርቂ ክቕየሩ ምድላዋት እንትግበር “እቲ ክኸድሉ ዝተሓሰበ ቀፅሪ ማይን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታትን ስለዘይብሉ ከም ከተማ ኣብተን ተመዛበልቲ ዘለውወን ኣብያተ ትምህርቲ ንፅገም ኢና” ይብል።

እተን ኣብያተ ትምህርቲ ብወረርቲ ሓይልታት ወተሃደራዊ ናቑጣታት ኮይነን ምፅነሐን ዝሓበረ መምህር ዮውሃንስ ብርሃነ ብሰብሞያ ምምካን ተፈንጀርቲ ተፈቲሹ ነፃ ምዃኑ ኣረጋጊፆም ይጅምሩ ምህላዎም ኣብሪሁ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ወይዘሪት ራሄል ተኽለማርያም ብወገና “ዘለዋና 31 ኣብያተ ትምህርቲ ዓንየን እየን። እዚኣ ትበሃል ንብረት የብልናን ካብኡ ሓሊፉ 13 ክፍሊ ዝተቓፀለሉ ወረዳ እዩ” ክትብል ገሊጻ።

ወይዘሪት ራሄል ተኽለማርያም “እዚ ዕንወት ንምሽፋን ግን ከምቲ ፀላእትና ዝበየኑልና እቲ ህዝቢ ደቁ ከይድንቁሩ ክንዲ ዝኽእሎ ተዋዲዱ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ንኽጅምራ ይድግፈን ኣሎ” ምስበለት እቲ ሐዚ “ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ዝግበር ዘሎ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘትኮረ ደብዳብ ነፈርቲ እቲ ህዝቢ ስግኣት ክህልዎ ይገብር” ምህላው ተዛሪባ።

ግዝያዊ መተሓባበሪ ትምህርቲ ወረዳ ራያ ኣላማጣ መምህር ሃፍቱ ዕቋር “ክሳብ ሐዚ 10% ተምሃሮ እዮም ተመዝጊቦም” ብምባል ብተወሳኺ እውን ወተሃደራዊ ናቑጣታት ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኮይነን ዝፀንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናወን ከምኡ እውን መምህራን ን5 ወርሒ ዝኣክል መሃያ ስለዘይተኸፈሎም ይፅገሙ ምህላዎም ገሊጹ።

ይኹን እምበር “ብዜካ 11 ኩሎም መምህራን ኣብ ስራሕ ቦትኦም ምህላዎም ከምኡ እውን ምስቲ ሕብረተሰብን ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን ተዋዲድና ዝጎደለ እናመላእና ትምህርቲ ንጅምር ኣለና” ኢሉ።

መተሓባበሪ ማሕበረ ኢኮነሚ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ኣይተ ኪዱ ዓምደሚካኤል ኣብ ወረድኡ ዝርከብ ኣብያተ ትምህርቲ ምዕናው ጠቒሱ “ግን ሰለስተ ዓመት ካብ ትምህርቲ ዝተፈለዩ ህፃናት ስለዘለውና ብዘለና ክንጀምር ኣለና ኢልና ምዝገባ 60% በፂሕና ኣለና” ኢሉ።

ንምጅማር ዳስ ምስራሕ ኣብዘድልየሉ ኩነታት ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ይሰርሑ ምህላዎም ዝጠቐሰ ኣይተ ኪዱ “እቲ ዘለና መምህር ኣብ ምድላው እዩ ዝርከብ። ዝጎድለና እንተኾይኑ እውን ካብ መምህራን 7-8ይን ካልኣይ ብርኪን ምውሳኽ ንኽእል ኢና” ክብሉ ተዛሪቡ።

ከም ትግራይ ፀገም በጀት ብምህላው ብብርኪ ወረዳ ምስ ሰብሃፍቲን ህዝብን ብምውዳድ ንከይዲ ትምህርቲ ዘድልዩ ናውቲ ንምምላእ ይሰርሑ ምህላዎም እውን ኣይተ ኪዱ ዓምደሚካኤል ሓቢሩ።

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ መሓሪ ኣባይ ብግድኡ “ፀላእቲ ዝገብርዎ ዘለው ሽርሒ እቲ ሓደ ስግኣት ምፍጣር እዩ።

ደብዳብ ኣየር ጥራሕ ኣይኮነን ብዓብዪኡ ፀላኢ ዘለሉ ናትና መሬት ኣሎ። ኣብ ሓደጋ ኮይንና ከመይ ጌርና ትምህርቲ ነካይድ ተሞክሮ ቤት ትምህርቲ ወያነ ብረታዊ ቃልሲ እውን ኣለና።

ኣብቲ ሽዑ እዋን እውን ደብዳብን ወራርን ኔሩ እዩ ተምሃራይ ግን ይመሃር ኔሩ እዩ” ብምባል የረድእ።

ካብቲ ዝሓለፍናዮ እዋን ፀልማት ዝኸፈአ ኣይኮነን ዝበለ ኣይተ መሓሪ ኣባይ “እዚ ፅልዋ ፀላኢ ግዝያዊ ስለዝኾነ እቲ ዝበዝሕ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ገጠር እዩ ዘሎ ዘስግእ ኣይኮነን እቲ ዋና ግን እቲ መምህር፣ ተምሃራይን ሕብረተሰብን ብስነ-ልቦና ክዳሉ ምስራሕ የድሊ” ኢሉ።

እቲ ዕፅዋን ክባን ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ እውን ጠጠው ስለዘበሎ ፀገም በጀት ከምዘሎ ዝተዛረበ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ መሓሪ ኣባይ “ገዚእኻ ናውቲ ትምህርቲ ንምምላእ ገንዘብ የለን።

ቀረብ ደብተር እውን ስለዘየለ ሓዱሽ ተምሃራይ ንብሎ እቲ ዝወሓደ ስለዝኾነ እንተነኣሰ ንዘን ክልተ ወርሒ እዚአን ዝበዝሕ በቲ ዝነበሮ ደብተር ክጥቀም ካብኡ ከዓ ምስ ደገፍቲ ኣካላት ኮይንና ንሰርሖ ስራሕ ክህሉ እዩ” ክብል ሓቢሩ።

ኣይተ መሓሪ ኣባይ እቶም ህፃናት ምስ ፀገማቱ እዋን ትምህርቶም ካብቲ ዝነበረ ኣዕርዩ ከይሓለፎም እቲ ክሳብ ሐዚ ዝበኾረ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንምክሕሓስ ብዝጥዕም መንገዲ ምድላዎም ብምሕባር ስነ-ልቦና እቶም ህፃናት ካብ ኲናት ናብ ትምህርቲ ብምምላስ ክፍጠር ዝኽእል ሓጓፍ ወለዶ ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ካብ 1ይ-6ይ ክፍሊ ትምህርቲ 15 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ክጅመር ዕላዊ ምግባሩ ዝፍለጥ እዩ።