ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕንነት ናይቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ሰራሕተኛታቱ ከምዘተሓሳስቦ ገሊፁ።

ሕቡራት ሃገራት፡ በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ድሕንነት ኣብ ትግራይ ዘለው ሰራሕተኛታቱ ከምዘተሓሳስቦን ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ሰለማውያን ሰባትን ህዝባዊ ትካላትን ክሕልው ፀዊዑ።

ከምኡ እውን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኲናት ብህፁፅ ደው ከብሉ ደጊሙ ከምዝፀወዐ ብወሃቢ ቃሉ ስቴፋን ዱጃሪክ ኣቢሉ ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ድሕንነት ህዝቢ ከቐድሙ፣ ነዳድን መድሓኒትን ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባፃሕ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ክገብሩ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ዱጃሪክ ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ትግራይ፡ ኣድላይ ቀረብ ብፍላይ ሕፅረት ነዳድን ቅርሽን ከምዘሎን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ብጥምየት ኣብ ኣፍ ሞት ብምህላው ከምዘሻቐሎን ገሊፁ።

ብሓፈሻ ብሰንኪ እናተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ ቅልውላው ኲናት ሕቡራት ሃገራት ኣገልግሎት ረዲኤት ከባፅሕ ከምዘይከኣለን ተበፃሕነቱ ከምዝነከየን ኣረዲኡ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ “የተሓሳስበኒ ኣሎ። የሻቕለኒ ኣሎ።” ካብ ምባል ወፃኢ ርኡይ ግብራዊ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ “ስኒ ዘይብሉ ከልቢ” ኢሎም ዝነቕፍዎ ኣካላት ብዙሓት እዮም።