ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ 34 መምህራን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ 34 መምህራን ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብግፍዒ ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ወይዘሪት ራሄል ተኽለማርያም “መምህራን ወረዳና ልክዕ ከምቲ ህዝቢ ብጅምላዊ ጨፍጫፍ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብግፍዒ ተቐቲሎም እዮም” ክትብል ገሊፃ።

ከምኡ እውን ኣብታ ወረዳ 143 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝገለፀት ወይዘሪት ራሄል፡ 189 መንበሪ ገዛውቲን 11 ማዘጋጃ ቤትን ብወረርቲ ምቅፃሉ ሓቢራ።

ኣብታ ወረዳ ዝርከባ 31 ኣብያተ ትምህርቲ ኩለን ከምዝዓነዋን ብወታደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዘመታ እንትኾና 10 መምህራን ድማ ብግፍዒ ከምዝተቐተሉ ኣረዲኣ።

እዞም ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኮነ ኢሎም ትግራይ ማእኸል ድንቁርናን ጥሜትን ንምግባር ኣብ ልዕሊ መምህራንን መሰረተ-ልምዓት ትምህርትን ከምዝወፈሩ ዘርኢ ተግባር ከምዝኾነ እውን ሓቢራ።

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ልምዓት ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣይተ እልፍያስ ታደሰ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን፡ ትግራይን ትግራዋይነትን ካብ ምድረ ገፅ ንምጥፋእ ዘዋደድዎ ትልሚ ትካላት ትምህርቲ ብምዕናውን ምሁር ሓይሊ ሰብ ብጅምላ ብምቕታልን ብምፍንቓልን ከምዝጀመርዎ ገሊፁ።

ኣይተ እልፍያስ “ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ብዝገበርናዮ ዳህሳስ 34 መምህራን ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ተስፋሕፋሒ ሓይሊ ኣምሓራን ብግፍዒ ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊፅና ኣለና” ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ደመኛታት ፀላእቱ ዝፈሓስሉ ውዲት ድንቁርና ብምስባር ኣፍራዪ ወለዶ ንምትካእን ኣብ ትምህርቲ ልዑል ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣይተ እልፍያስ ታደሰ ኣተሓሳሲቡ።