ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኵናት፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ይስዕብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣተሓባባሪት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣመሪካ “ዩ.ኤስ..ኤ.ኣይ.ዲ” ሳራ ቻርለስ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዛ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ብዛዕባ ዝኣትወሉ ኩነታት ምስ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላትን ተራኺባ ከምዝተዘራረበት ተገሊፁ።

ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ምብፃሕ፡ በቲ ኣብ ትግራይ ዝተልዓለ ቅልውላው ኲናት ሓገዛት ረዲኤት ክሓልፉ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ሓደጋ ይበፅሕ ምህላዉ ሓቢራ።

ከምኡ እውን ብሰንኪ ካብ ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ዝርከብ ኩናት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ውሑዳት ሰሙናት ጥራሕ ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎም ኣረዲኣ።

ብምዃኑ እውን ኣብ ኩሎም ከባብታት ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቶም ግዳያት ዝበፅሑሉ መገዲ ክኽፍቱ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝዓፀዎም ኣገልግሎታት መራኸቢ ክኸፍቶምን ኩሎም ዓይነት ሰብኣዊ መጉዓዝያ ብዘይ ገለ ክልከላ ክሓልፉ ከፍቅድን ፀዊዓ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፒተር ማዉሪር፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ንከባቢ ሓደ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኩሎም ሓይልታት ድሕንነት ሰለማውያን ሰባት ክሕልው ሓቲቱ።
ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕትት ዘካየደ ፒተር ማውረር፤ እቲ ሓደ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ ዘሎ ቅልውላው እናብኣሰ ይመጽእ ምህላዉም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት መዓልታዊ ቁጽሮም ይውስኽ ከምዘሎን ሓቢሩ።

“ኣብዚ እዋን ዝኾነ ዝረኣይ ዋግዋጎ ተስፋ የለን። ናብቶም ኣብቲ ኲናት ዝዋስኡ ዘለዉ ኣካላት ዝቐረብ መልእኽቲ ዝቐየር ኣይኮነን። ካብቲ ኲናት ከውጽእ ዝኽእል ፖለቲካዊ ፍታሕ ምምጻእ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ትግራይ፡ ዋሕዲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሸቐጣ መቐጥ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዘየለን ህዝቢ ንዝኸፍአ ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ገሊፁ።