ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ምፅናት ዓሌት ዘይኹንን እንተድኣኾይኑ ካብ ደጊም በቲ ቤት ምኽሪ ከምዘይምእዘን ቤት ምኽሪ ጉዳያት ምስልምና ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ምፅናት ዓሌት ምድጋፈን ብፅኑዕ ከምዝቃወም ቤት ምኽሪ ጉዳያት ምስልምና ትግራይ ሓቢሩ።

እቲ ዘተ ኣብ ዝወሃበሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ይካይድ ከምዝነበረን ብኣካል እቲ ኩነታት እንታይ ከምዝመስል ከምዝተዓዘብዎን ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ነዚ ክኹንና ዘይምኽኣለን ከምዘሕዘኖም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ሓቢሮም።

ከምኡ እውን ኣብዚ ሰሙን ውሽጢ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ማለት እውን ሸውዓቲኦም ቤተ እምነታት፡ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ምፅናት ዓሌትን ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርትን ደጊፈም መግለጺ ምውጽኦም ኣዚዩ ከምዘሕዘኖ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ምስልምና ትግራይ ኣረጋጊፁ።

እዚ ማለት መልእኽቲ ኩለን ቤተ እምነታት ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንኽጠፍእ ዝግበር ዘሎ ተኸታታሊ ወራራት ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ምባሎም ከምተሳተፍትን ተሓባበርትን ዝቑፀር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ብምዃኑ እውን ቤት ምኽሪ ጉዳያት ምስልምና ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓፂር መዓልታት ማለት እውን ካብ ክልተ መዓልቲ ብዘይንውሕ ጊዜ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ምፅናት ዓሌት ዘይኹንን እንተኾይኑ “ድሕሪ ሕጂ ከምዘይውክለና ክፍለጥ ኣለዎ” ክብል ቤት ምኽሪ ጉዳያት ምስልምና ትግራይ ኣጠንቂቁ።

ብተመሳሳሊ ሲኖዶስ ኦሮቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኢትዮጲያ ካብ ስርዓትን ሕግን ቅድስት ቤተክርስትያን ወፃእ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ዘርኢ ምፅናት ኣብ ልዕሊ ዝኣወጁ ሊቃነ ጳጳሳት ኢትዮጲያ ተሓተቲ እንተዘይገይርዎም እቲ ሲኖዶስ ነኣና ኣይዉክለናን ክብል ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መቐለ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።