ሎሚ መዓለቲ ፖሊስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀሎት ደው ኣቢሉ ብሓት ተጋሩ ካብ ቤተ ኽርስትያን ኣሲሩ ወሲዱ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካቴድራል ቅድስቲ ስላሰ ሎሚ ንጉሆ ፖሊስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጸሎት ዝነበረ ህዝቢ ደው ኣቢሉ መነኹሴን ኣቕሽትን ዝርከብዎም ብዙሓት ተጋሩ ሓፊሱ ናብ ፒክኣፕ መኪና ፅዒኑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወሰዶም ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ።


እቶም ፖላዊስ ቅዳሴን ጸሎትን ደው ኣቢሎም ካብ ማእከል እኩብ ህዝቢ ተጋሩ ጥራሕ እናመመዩ ናብ ቤት መእሰርቲ እንትወስዱ ሽዑ ዝሃብዎ ምኽንያት የለን፣ ‘’ብስሩ እውን ዘድሊ ኣይነበረን፣ እቶም ተኣሰርቲ ከምቲ ኩሉሻዕ ዝግበር ንህወሓት ደጊፍኩም ኢኹም ብዝብል ናብ ዝተኣሰሩ ኣሻሓት ተጋሩ ኣሕዋቶም ይሕወሱ ምህላዎም ይፈልጡ እዮም’’ -ክብል እቲ ማዕኸል ዜና ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዒ የረጋግፅ።


ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ሙሉእ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ወፍሪ ጅምላ ማእሰርትን ስቓይን ተጋሩ ሓይሉ ዝተርኣየሉ ዋላ እኳ እንተኾነ፣ ግን ዳርጋ ዘይተጋለፀ፣ ኣዝዩ ዝተሓብአ ግፍዒ ኣካል እቲ ዝካየድ ዘሎ ዂናት ምዃኑ እቲ ሚዲያ ይትንትን። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ቦታን ዝእሰር ዘሎ ትግራዋይ ብመንነቱን ክሲ ሓሶትን ምዃኑ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስ ሪኢቶ ዝሃቡ ተጋሩ ይገልፁ።


እቶም ሎሚ ካብ ቤተ ክርስትያን ተሓፊሶም ዝተኣሰሩ ኣቕሽቲ፣ መነኹሴታትን ኣብ ጸሎት ዝነበሩ አመንትን ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣቃፂልኩም፣ ንህወሓት ገንዘብ ኣዋፂኹም፣ ጥቕዓት ክትፍፅሙ ሓሲብኩም ዝብሉ ክስታት ከምዝቐረበሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።


ፖሊስ ካብቶም መነኹሴታት ንሓዲኡ ‘’እቲ ሽጉጥ ኣበይ ሓቢእካዮ’’ ኢሉ ከምዝጠየቖን፣ እቲ መነኹሴ ድማ ገሪምዎ እናስሓቐ ‘’ንሕና እኮ መንፈሳውያን ሰባት ኢና ፖለቲከኛታት ኣይኮንናን’’ ኢሉ ከረድእ ከምዝፈተነን እቲ ዜና ማዕኸን ይገልፅ።


ተጋሩ መገልገልትን መራሕትን ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ክርስትና ንብዙሕ ዓመታት ሽሞም ክጠፍእን ሽጉጥ ኣለዎም እናበልካ ሃይማኖታዊ ክብሪ ከይህልዎምን ክግበር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። እዙይ ድማ ኣካል እቲ ትግራዋይ ናይ ምሲጣን ስራሕ ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ከምዝኾነ ብዙሓት ተጋሩ ዝስማዕምዕሉ እዩ።