ደብዳብ ነፈርቲ ፀላኢ ኣብ ትግራይ፣ ድሃይ መቐለ ከመይ ኣሎ?

ኩሉ ነገር ረጊዑ ፀውፀው ኢሉ ኣሎ። ኣብ ውጥሪ ኲናትን ነገር ኲናትን ኣብ ጥምየትን ከርተትን ዝወዓለት ነብሲ በቲ ተፈጥሮ ዝመደበላ ምፍርራቕ ለይትን መዓልትን ትኽስ ኢላ። ድሕሪ 10 ደቓይቕ እውን ኣይትኸውንን ፍልይ ዝበለ እቲ ቀትሪ ህፃናት ከባህርር ዝውዕል ድምፂ ንሰምዕ ኣለና። ሰዓት 8:30 ይኸውን ናብ 18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ግእዝ ዘውግሕ ለይቲ። ድምፂ ነፋሪት ንውሱን ደቓይቕ ምስተሰምዐ እቲ ብሰብ-ሰራሕ ድምፀት ዝተሃወኸ ግርማ ለይቲ ምልስ ኢሉ ፀጥታ ነገሰ።

ወጋሕ ከይበለ ካብዚ ናብቲ ዝመላለስ ብበዝሒ ነፀላ ዝደረበ ሰብ ይረአ። ካብ ኣብያተ እምነት ዝምለስ ዘሎ ተሳላማይ “ነፈርቲ ክመፃ ስለዝኽእላ ዝንበብ ዝነበረ ተኣምር ተቛሪፁ ኪዱ ተባሂልና” እናበለ ነቲ ድሒሩ ክሳለም ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ሓበሬታ እናሕለፈ ኩሉ ግልብጥ ኢሉ ነንገዝኡ ይምለስ ኣሎ።

ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ዝመፃ ታክሲ ኣብ ውሽጢ መሊአንስ ብደገ ብድሕሪት ከይተረፈ ተንጠልጢልካ ምኻድ ተጀሚሩ። ኣፍ ንኣፋ መሊኣ እናሃለወት ጠጠው ዳኣ በለ። እቲ ወዲ 15 ዓመት ዝኸውን ቅርሺ ዓፂፉ ኣብ ሞንጎ ኣፃብዕቱ ቀርቂሩ ዝሓዘ ሓጋዚ ገናሒ “ከተማ ዲኻ ንዓ” ይብለኒ ሓታቲን መላሲን ኩሉ ባዕሉ ኾይኑ። ኣበይ ኮፍ ክብል ከምዝኽእል እንትሓስብ ኣብቲ ክልተ ዝሕዝ ዝነበረ ወንበር ሰሰለስተ ሰብ ተፀቓቒጦም ኣለው። ኣብ ድሕሪት ኣርባዕተ እቲ ጎናዊ ናይ እድር ጣውላ ዝመስል ዝገበሩሉ እውን ሰለስተ ሰብ ተኾርምዮም ኣለው። “መሊኣ እኮ እኒሃ” እንትብሎ “ንዓ ኣብዚኣ ኹን” ኢሉ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዱኳ ነቶም ሰባት እናፀጋግዐ እናመቻቸወ እናሃለወ “ይትረፈኒ” ምስበልኩዎ እናዕጎምጎመ ታክሱ ዓፅዩ ተዓዘረ።

ብእግሪ ምጉዓዝ ባህሊ እዩ ኾይኑ። ምስቲ ኣቋራፂ ብዝብሎ መንገድታት ንኸተማ ዝውሕዝ ሰብ ተሓዊሰ እንትስጉም ዕዳጋ ዓዲሓ ተዓፃፅዩ ፊት ንፊቱ ጥራሕ እቲ ኣብ ራያ ዝፈሪ ብርጭቕ ዘራግፋ መካይን ፅዕነት እዕዘብ ኣለኹ። እቲ ብኩጅም ኩጅም ዝበለ ዕዳጋ ኣስቤዛ ዝፍለጥ ዓዲሓቂ እውን እቲ ሽጉርቲ ኮሚደረ ብላስቲኽ ተሸፊኑ ትውር ዝብል ሰብ የለን። ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ክዕድግ ዝመፀ ሰብ እውን ይምለስ ኣሎ።
ብሓወልቲ ኣቢለ ብመሰረት ቆፀሮይ ናብ ላዕለዋይ በሪ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ዩኒቨርሲቲ መቐለ እንተምርሕ ካብቲ ኣስፋልቲ ንየማን ገፅ እትው ኢልካ ሰባት ተኣኪቦም ቃላት ክለዋወጡ ተዓዚበ ቅርብ እንትብል ሓደ ኣብ ክሊ ዕድመ ሓምሳታት ዝርከብ ሰብኣይ እምኒ ሒዙ ይዕዘብ። ብውሽጠይ ኣብዚ ግዜ ዝበኣስ ሰብ ኣሎ ድዩ ኢለ ምስውሽጠይ እንትከራኸር እቲ ሰብኣይ “ከፍርሶ እየ” ኢሉ ናብቲ ኣብ በሪ ካሌብ ኣካዳሚ ዘሎ ቅርፂ ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፅግዕ በለ።

ካሊእ ስይበት ንፅግ ዘበለ ሰብኣይ ኣርክብ ኣቢሉ “ስነ-ስርዓት” ምስበሎ ኣብ ርእሲ እቲ ቅርፂ ከዕልባ ዘአንፈታ እምኒ ምልስ ኣቢሉ ናብቲ ሰብኣይ እናጠመተ “ኣይ እዚ ዕትሮ እዚ እንድዩ ናብዚ ኹሉ መከራ ዘእተወና እንታይ ኣእተወካ?” ኢሉ ነቲ ስም ሕጊ ኣልዒሉ ዝገዘቶ ሰብኣይ ሓተቶ። እቲ ሓደ ከዓ “እቲ ፀገም ናትና እዩ ብስም ማዕርነት ዓርስና እናትሐትና ዓዲ ንከምዚ ዝበሉ በሃማት ምሃብና” እናበሎ ካልኦት ሰባት እውን ኣርኪቦምዎም ዘረባ እናሰፈሐ ኸደ። ካብቶም ብድሕሪት ዝሰዓቡ ሰባት ሓደ “እኒመለስ ዘሕለፈት ዓዲ ዶ ኣብዚኦም ትወድቕ?” ይብል ብሕርቃን ገፁ እናተቐያየረ እቲ ኣብ ጎኑ ዝነበረ ብርሕ ዝበለ ሰብኣይ ትቕብል ኣቢሉ “ኣይ እኒመለስን ድዮም ነዚኦም ዘምፅኡ? ውሽጥና ዳኣ ንፈትሽ” እናበለ እናሃለወ ቀልቦም በቲ ብቕፅበት ዝተሰምዐ ከቢድ ድምፂ ተገዝአ።

እቲ ድምፂ ተለሚዱ ዝቐነየ ስለዝኾነ ድምፂ ተኹሲ ፀረ-ነፈርቲ ምዃኑ ኣብ መቐለ ንዝነብር ሰብ ርዱእ እዩ። ከባቢ ሰዓት 4:00 ይኸውን፤ ኣብቲ ኩልል ኢሉ ፀርዩ ዘሎ ሰማይ እንትርፊ ኩልዕ ዝበለት ፍርቂ ወርሕን ክንዲ ርግቢት ትመስል ኣየርን ካልእ ዝረአ ነገር የለን። እታ ኣየር ኣብ ሰማይ መቐለ ክሳብ ከባቢ 4:30 ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ እናተመላለሰት ተኹሲ ፀረ-ኣየር እውን ፃዕፂዑ ኣርፈደ።

ድሕሪኡ እታ ኣብ ሰማይ ኣዝያ ካብ ምርሓቓ ዝተልዓለ ክንዲ ርግቢት ንኢሳ ትረአ ኣየር ንምዕራብ ገፅ ምስሓለፈት ካሊእ ከቢድ ድምፂ ምስሰማዕና ኣብ ዝባን ፎቕ ኮይኑ ዝዕዘብ ዝነበረ ሓደ ወዲ እናተሃንፈፀ መፂኡ “ካሊእ ኣየር ኣብ ከባቢ ዓይደር ተኲሳ” በለና። ክንዲ ንኽእሎ እናጎየና ኣብ ከባቢ ዓዲ ሓቂ ምስበፃሕና ባጃጅ ረኺብና ኣቲና እንትንበርር የማነ-ፀጋም ኣስፋልቲ ሰብ ስድር ስድር ነንገዝኡ ይኣቱ ኣሎ። መን ሓዛኒ መን መደዓዓሲ፣ መን ተሓዚ መን መቕንዒ፣ መን ነባዒ መን መረጋግዒ ኣይፍለጥን። እቶም ሰባት ምዃኖም ንርስዖም ሰብሞያ ሕክምና ከይተረፉ ዝኽእልዎ እናሓገዙ ግን መስካሕኻሓይነት እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ ዓቕሞም ኮይንዎም ገሊኡ ይነብዕ ገሊኣ ትደንን ኣብ ስነ-ልቦናዊ ወጥሪ ጥሒሎም።
እቶም ሰብ ሞያ ኣብቲ ቅልጡፍ ህይወት ናይ ምድሓን ግልጋሎቶም ናውቲን መድሓኒትን ሃንደበታዊ ሕክምና ስለዝተወደአ ብሞያዊ መስርሕ ነቲ ሰብ ናብዚ ኣይትምፃእ ምባል ስለዘይኽእሉ እዩ እምበር ዓይደር ዳርጋ ጥርሑ ካብዝተርፍስ ውዒሉ ሓዲሩ እዩ። ፎቶ ሓኪም ደኒና ገፃ ሸፊና ኩሉ ኣብቲ ብኬንዳ ዝተሰረሐ ዳስ መእተዊ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና ዝፃፋዕ ዘሎ ሰብ “ወደይ፣ ጓለይ፣ ደቀይ፣ ኣደይ” ዝብሉ ቃላት እናስመዐ ካብዚ-ናብቲ ካብ ሞንጎ እቶም ብደም ዝጠልቀዩ ዝተወቕዑ ሰባት ኣብ ኣለሻ ተፀሚዱ ኣሎ። ምውካብ እቲ ኣብ ዓይደር ዝነበረ ሰብ ንግልጋሎት ህፁፅ ረድኤት ሕክምና እውን ፈታኒ ስለዝኾነ ኣካላት ፀጥታ እቲ ሆስፒታል እቲ ሰብ ናብ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና ከይኣቱ ክኽልክልዎ ተገበረ።

በቲ ደብዳብ ነፈርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዳን እግራን ዝተወቕዐት ጓል 11 ዓመት ነባሪት ቀበሌ 06 ህፃን ሄርሜላ ካሕሳይ “ኣብ መረባ ምስ ሓንቲ መሓዛይ እናተፃወትና እናሃለና ከቢድ ድምፂ ምስ ሰማዕና ወዲቕና መኪና ትቃፀል ኔራ። ድሕሪኡ እንታይ ከምዝኾንና ኣይዝክርን” ትብል። ሃላዋት በቲ ደብዳብ ዝተወቕዓ ኣዲኣን ሓፍታን ዘይምፍላጣ ድማ ካሊእ ዕድመ ህፃንነታ ክፃወሮ ዘይኽእል ከቢድ ጭንቂ ተሸኪማ ረኺብናያ። ወይዘሮ ዮዲት ሃይሉ እውን ካብቶም በቲ ደብዳብ ጉድኣት በፂሕዎም ናብቲ ሆስፒታል ዝተወሰዱ ነበርቲ እንትኾን ኣብ ልዕሊ ቃንዛኣ ሃላዋት ቤተሰባ ስለዘይትፈልጥ ኣብ ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ወጥሪ ብምህላዋ ቀልባ ስሒታ ክተዛርበና ኣይከኣለትን።

እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ዝተገበረ ደብዳብ መን ሞይቱ መን ተሪፉ ምፍላጥ ኣይከኣልን። ካብቶም ውቑዕ ዘልዕሉ ዝነበሩ መናእሰይ እቲ ሓደ “ሓፍቱ ኣልዒልናያ ግን ሞይታ ምዃና ኣይፈለጠን” ኢሎምኒ እቶም ኣዕርኽቱ። በቲ ደብዳብ ተወቒዑ ሃላዋት ህፃን ወዱ ዘይፈልጥ ኣይተ ቢንያም ተስፋይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ባዕሉ ዝበፀሐ ኣካላዊ ጉድኣት በዓልቲ ገዝኡ እናነበዐት ዝነገረትና ሞት ወዱ ምስፈለጠ ክስምዖ ዝኽእል ስነ-ልቦናዊ ሃሰያ ከቢድ እዩ።

መተሓባበሪ ክፍሊ ነርስ ሆስፒታል ዓይደር ኣይተ ቴድሮስ ካሕሳይ “ካብቶም ክሳብ ሐዚ ዝፈለጥናዮም 6 ዝሞቱ ብተወሳኺ ክሳብ ሐዚ ኣካላዊ ጉድኣት በፂሕዎም መፂኦም ዘለው ግዳያት 24 እዮም። ሐዚ እውን ኣንቡላንስ ይመላለሳ ስለዘለዋ በዝሒ ዝተወቕዑን ዝሞቱን ክውስኽ ይኽእል እዩ” ብምባል ሓቢሩልና። ኣይተ ቴድሮስ ወሲኹ እውን “ኩሉም እቶም ናብዚ ሆስፒታል ዝመፁ ግዳያት ኣብ መንበሪ ገዝኦም እናሃለው ዝተወቕዑ ሰላማውያን ሰባት ብምዃኖም እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘቕነዐ እዩ” ክብል ገሊፁ።

ነባሪት ጣብያ 06 ከተማ መቐለ ፅገ መለስ “ኣብ ገዛ ኢና ኔርና ሃንደበት ኣየር መፂኣ ኣብ ማእኸል ገዛ እያ ኣውዲቓቶ” ብምባል ምስስንባደኣ ህንፍፅ ህንፍፅ እናበለት ትዛረብ። መብዛሕትኦም በቲ 18 ጥቅምቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ መቐለ ብተለምዶ 05ን 06ን ተባሂሉ ኣብዝፍለጥ ከባብታት ዝተገበረ ደብዳብ ተወቒዖም እናተሓከሙ ዝረኸብናዮም ህፃናትን ደቂ-ኣነስትዮን እዮም። ኣስከሬን እቶም ዝሞቱ ምፍላይ ብዘይምኽኣሎም ከምዝተፀገመት ዝገለፀት ሓጋዚት ሓኪም ትብለፅ መረሳ “ኣካሎም ዝተቆራረፁ እዮም።

ሙሉእ ኣካል ዝመፀ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራሕ እምበር መብዛሕትኡ ኣስከሬን ተቆራሪፁ ንኣብነት ርእሶም ዝቐረየ እኒኦ ካብ ሽምጢ ንታሕቲ ዝቐረየ እኒኦ” ክትብል ተዛሪባ። ሓጋዚት ሓኪም ትብለፅ መረሳ ወሲኻ “ክሳብ ሐዚ ምፍላይ ካብዝኸኣልናዮ ኣስከሬን ሎሚ ብደብዳብ ነፋሪት ዝተወቕዑ ክልተ ህፃውንቲ ኣለው” ኢላ። ብኣምቡላስ ናብቲ ከባቢ እንትንከይድ እቲ መንበሪ ገዛውቲ ከምዘይነበረ ፈሪሱ ኮለን ቴንዲኖ ከይተረፈ ተወቒዑ ናብ መረባ ፀዲፉ ተዓዚብና።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ነበርቲ እቲ ከባቢን ክሳብ ሐዚ ሃላዋቶም ዘይተፈለጠ ሰባት ስለዘለው ኣለሻ ይቕፅሉ ኣለው። ፎቶ ዝፈረሰ ገዛውቲ እቲ ኣብ ጎረባብታ ዝበፅሐ ደብዳብ ኣየር ክትዕዘብ ዝረኸብናያ ወይዘሮ ምሕረት ብርሃነ “ከባቢ ሰዓት 4፡30 ክሳብ 5፡00 ይኸውን ኔሩ። እንዳ ሃይለ ሓጎስን ሲስተር ሓረጉ ገብረመድህንን ዝበሃል መንበሪ ገዛውቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብምፍራሱ ኣብኡ ዝነበረ ሰብ ገሊሁ ፍሒርና ሞይቱ ዝረኸብናዮ ኣሎ። ገሊኡ እውን ክሳብ ሐዚ ኣይተረኸበን” ክትብል ገሊፃ።

ኣብቶም ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነው ክልተ ገዛውቲ 12 ሰብዋናን ተኻረይትን መራሕቲ ስድራ ምንባሮም ዝተዛረበት ወይዘሮ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበፅሕ ዘሎ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ማሕበረሰብ ዓለም “ስቕ ኢሉ ምዕዛቡ የሕዝነኒ እዩ” ብምባል “ተጋሩ ዘለና ኣማራፂ ኩለመዳይ ዓቕምና ኣዋዲድና ንሃላዋትና ምቅላስ እዩ” ክትብል ሓቢራ። እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ደብዳብ 10 ሰላማውያን ሰባት ንሞት 24 ኣካላዊ ጉድኣት ንብርክት ዝበለ ካብ ሞት ዝተረፈ ህዝቢ ድማ ብዘይመንበሪ ጥራሕ ኢዱ ኣትሪፍዎ ኣሎ። ዙርያ ምላሽ ከባቢ እቲ ብደብዳብ ዝተወቐዐ መንደር መንደቕ ፈሪሱ፣ ቆርቆሮን ረቐን ተሰሊዑ ፀዲፉ፣

ልዕሊ 400 ሜትሮ ዝርሕቕ ከባቢ ከይተረፈ መስተዋት ተሰባቢሩ ኣብ መረባታት ዛሕ ኢሉ ተዓዚብና። ብድሕሪት እቲ ዝተወቐዐ ገዛውቲ ዘሎ ሓደ መንበሪ እውን ዘይፈንደአ ተተኳሲ እታ ኣየር ዓሪፍዎ እቲ ሓመድ ዓሚቕ ጉድጓድ ሰሪሑ ብሰብሞያ ክሳብ ዝመክን ከይትኮስ ሰብዋና ገዛ ኣብ ስግኣት ይርከቡ። ብመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ 08 ጥቅምቲ ጀሚሩ ንክልተ ሰሙናት ዝቕፅል ዘሎ ኣብ ፅንተት ተጋሩ ዘነፃፀረ ደብዳብ ነፈርቲ ክሳብ ሐዚ ህይወት 15 ሰላማውያን ሰባት በሊዑ ኣሎ። ብተወሳኺ እውን 51 ሰባት ማእኸላይን ከቢድን ማህሰይቲ በፂሕዎም ኣብ ሕክምና ይርከቡ።

ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘቕነዐ ዕፅዋን ክባን መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ስለዝተወደአ ዓይደር ግልጋሎት ሕክምና ከቋርፅ ይግደድ ምህላው ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳርን ልምዓትን እቲ ሆስፒታል ሙሴ ተስፋይ ብምግላፁ ህይወት እቶም ብደብዳብ ዝተወቕዑ ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ዕጡቕ ኣምሓራን ብምውዳድ ትግራይ ኣብ ክባ ብምእታው ጥሜት፣ ፆታዊ ዓመፅን ምኽልካል ማሕበራዊ ግልጋሎታት ጥዕና፣ መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ኢንተርኔትን ትምህርትን ከምመሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ትግራዋይ ንምፅናት ብትልሚ ይሰርሕ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ገበን ኲናትን ምፅናት ዘርእን ሪኡ ከምዘይረኣየ ስቕታ መሪፁ ተሓባባሪ እቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ካብ ዝኸውን ዓመት ተቖፂሩ ኣሎ።

ሎሚ ድማ ብሰፊሑ ብደብዳብ ነፈርቲ ሰላማውያን ሰባት ብፀሓይ ቀትሪ እናተጨፍጨፉ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ መንግስቲ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን መግለፅታት “የተሓሳስበና” ካብ ምውፃእ ዝዘለለ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ዘቃልል ስጉምቲ ኣይወሰዳን። ፕረዚዳንት ትካል ምግቢ ዓለም ሮበርት ሮትበርግ “ኣብዪ ኣሕመድ ትግራይ የጥምያ ኣሎ።

ብመሰረት ኣዋጅ ምክልኻል ድሕንነት ዜጋታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (the Responsibility to Protect) ውሕስና ተጋሩ ነረጋግፀሉ ትኽክለኛ እዋን ሐዚ እዩ” ብምባል ዓለም ነዚ ዕፅዋ ብምፍሻል ካብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ክትድሕን ከምዝግባእ ምዒዱ። ሐዚ እውን ግልፂ ክኸውን ዝግበኦ ዓለም ኣብዪ ኣሕመድን መጫፍርቱን ንትግራይ እናብረስዋ ስቕ ኢላ እናረኣየት ኣብ ምፅናት ተጋሩ ኢደይ ኣየእተኹን ክትብል ኣይትኽእልን።