ሃገራት ኣመሪካን ሩስያን፡ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታተን ኣጠንቂቐን።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት ኣሜሪካ ካብታ ሃገር ንምውፃእ ክዳለውን ናብ ኢትዮጵያ ንምጋሽ ዝሓሰቡ ድማ መደቦም ክስርዙን ኣጠንቂቑ።

ብተመሳሳሊ ሩስያ፡ ዜጋታታ ሕጂ ምስ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዜጋታታ ናብታ ሃገር ካብ ምጋሽ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲባ ኣላ።

ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዕላዊ ትዊተር ገፁ ከምዝሓበሮ ኣዚዩ ህፁፅ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ዜጋታት ሩስያ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ ፀዊዑ።

ኣብ ሕጂ እዋን ማሕበራውን ፖሎቲካውን ቅልውላው ኢትዮጵያ እናተጋደደ ይመፅእ ብምህላው ብጀካ ህፁፅ ዕዮ ዘለዎም ዜጋታት ሩስያ መገሻኦም ክስርዙ ኣተሓሳሲቡ።

እዘን ሃገራት ነዚ መልእኽቲ መጠንቀቕታ ዘውፀኣ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንከባብታት ወሎ ተቖፃፂሩ ናብ ሰሜን ሽዋ ምፅግዑ ሲዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣዋጅ እቶ እቶ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ድሕሪ ምውሳኑ እዩ።