መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተጋሩ ብዘይገደብ ንምጥቃዕ ዘኽእሎ ሃገራዊ ኣዋጅ እቶ እት ኣዊጁ።

ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝኸፈተ መንግስቲ ኢትዮጲያ እተን ኣለዋኒ ዝብለን ዝነበረ ከተማታት ኣረኪቡን ክፍለሰራዊታት ኣደምሲሱን እንትብቅዕ ነዚ ስዕረት ሰለማዊ ነበርቲ ተጋሩ ከም ዋና ተሓተቲ ብምቅማጥ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሓዱሽ ወፍሪ ጸለመን መጥቃዕቲን ጀሚሩ።

ልሂቃን ኣምሓራ፣ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን መራሕቲ ኣብንን ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተጋሩ ክቕተሉን ናብ መዕጎሪ መኻዚኖታት ክኣትውን ክጉስጉሱ ከምዝቐነዩ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ፃዊዒት መሰረት ብምግባር ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዉጁ ኣሎ።

በዚ መሰረት በእቲ ኣዋጅ ስልጣን ዝተወሃቦ ‘እዚ መምርሒ’ ምስ ህወሓትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ርክብ ኣለዎ ዝበሎ ኩሉ በዘይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከኣስርን ፈልዩ ኣሲሩ ከጽንሕን ስልጣን ዝተወሃቦ እንትኸውን በዘይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ንብረት ክብርብር፣ ዝኮነ ሰብ ጠጠው ኣቢሉ መንነቱ ክሓትት፣ክፍትሽ፣ ከሙኡ እውን ሰባት ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ሓደ ቦታ ተወሲኖም ክቅመጡን ናብ ካልእ ቦታ ከይንቀሳቀሱን ናይ ምግዳብ ስልጣን ዝህብ እዩ።

ክሳብ ሐዚ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዘይሕጋዊ ኣግባብ ብዓሰርተታ ኣሸሓት ዝቁጸሩ ተጋሩ ዝኣሰረን ናይ ንግዲ ትካላቶም ዝዓጸወን እንትኸውን ሐዚ ድማ ትግራዋይ ብብሄሩ ተፈልዩ ክጥቃዓሉን ተፈልዩ ኣብ ሓደ ከባቢ ክእሰር ዝገብር ግልጺ ዝኮነ ኣዋጅ ወጺኡ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ኣዋጅ እቲ ብዘይሕጋዊ ኣግባብ ብሄር መሰረት ብምግባር ዝበጽሕ ዝነበረ መጥቃዕቲ በርቲዑ ዝቀጸለ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ ክሕፈሱን ካብ ዝተረከብዎ ቦታ ተኣርዮም ክእስውሩን ከምዝዋዓሉ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝርኸቡ ፍልፍላትና ሓቢሮም።