ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራትን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘዳለወ በዓል 156 ገፅ ፀብፃብ ኣቕሪቦም።

ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ኣመልኪቱ ምጽራይ ክገብር ዝጸነሐ ሓባራዊ ምጽራይ ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ወገናዊ ጸብጻቡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ጀኔቫን ዕላዊ ገይሩዎ።

እቲ ብኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያን ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት ሃገራት ብሓባር  ካብ 16 ሰነ ክሳብ 30 ነሓሰ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ  ምጽራይ ክገብረሉ ዝጽነሐ ገበናት ኲናት ኢትዮጵያ ሎሚ  156 ገጽ ብዝሓዘ ጸብጻብ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ሓበራዊ ምጽራይ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሰነ 21 ዘሎ መዓልታት ዝተገበረ እንትኸውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጲያ ብድሕሪኡ እውን ከምዝቀጸለን ኣብ መቐለ፣ ውቅሮ፣ ሳምረ፣ ኣላማጣ፣ቦራ፣ ማጨው፣ ዳንሻ፣ ማይካድራን ሕሞራን  ብኣካል ብምርካብ ዝተካየደ እንትኸውን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ  ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ሰባት እውን ቃልመሕተት ከም ዝተገበረሎም እቲ ጸብጻብ የመላክት።

እቲ ጸብጻብ ኲናት 23 ጥቅምቲ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ብዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዝተጀመረ ዝሕብር እንትኸውን  ስዒቡ ዝተፈጸሙ ገበናት ብኹሎም ሓይልታት ከምዝኾነ የቀምጥ።

ከምኡ እውን ሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ማዓረ ምስ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ሕድሕድ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሳታፊ ዝገብር እንትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘቅረቦም ኩሎም መሰረት ዘይብሎም ክስታትን ብምቅባል  ሓይልታት ምኽልካል ትግራይ ሰላማዊ ሰባት ከምዝጎዱን ዝቐተሉን፣ ኣንስቲ ከምዝደፈሩን ከምዘጥቅዑን ከተማታት ከምዝደብደቡን ንብረት ከምዝዘረፉን የቐምጥ።

እዚ ሻራዊን ፍጹም ወገንተኝነት ዝተመለኦ ጸብጽብ ብኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ጽዕንቶን ዋና ተዋሳእን ከምዝተሰነደ ዘመላክቱ ብርክት ዝበሉ መርኣያታት ዝሓዘ እዩ።

መንግስቲ ኣምሓራን ልሂቃን ኣምሓራን ብዕሊ ንዓመታት ክዛርውብዎ ድሓር ድማ ንዝተግበርዎ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናትን ዘርኢ ምጽናትን ከም ኣብ ማይካድራ ንዝተፈጸመ ገበን ግብረመልሲ ገይሩ ዘቅምጥ ፍጹም ሻራዊነት ዝተመሎኦ ጸብጻብ እዩ።

እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ሲቪል ማሕበራትን መንግስቲ ትግራይ ካብ ፈለማ ክቃወምዎ ዝጸንሑ እንትኸውን ብዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ  ትካል ምጽራይ ክግበር ተደጋጋሚ ጻዊዒት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ እንትኸውን  ብመንግስቲ ኢትይጵያ ዝምወልን ኾሙሽነራት እቲ ትካል እውን ብቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ዝሽወሙ እዮም። 

መንግስቲ ኢትዮጲያ ከም መንግስታዊ ስልቲ ገበን ፈጺሙ እዩ ተባሂሉ ክሲ ኣብ ዝቀርበሉ እዋን መርመራ ክግበር ከሎ ዝኾነ ዓይነት ኣድልዎ ከም ዘይብሉ ተገይሩ ኣብቲ ምጽራይ ክሳተፍ ምግባሩ ኣግባብ ዘይብሉ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተጸዋዕነቱ ናብ ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ እንትኸውን ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ፌደራል ምንም ዓይነት ውክልና ዘይብሉን ነቲ ኮሙሽን እውን ከም ትካል  ዘይሻራዊ  ከምዘይኾነ ብመንግስቲ ህዝቢን ትግራይ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብቲ ብዛዕባ ጃምላዊ ቕትለት ማይ ካድራ እተዋህበ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን  እንተኮነ እውን ህወሃትን ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም እዮም ዝበሎም “ሳምሪ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ጉጅለ መንእሰይ ተሓተቲ ዝገብረ እንትኸውን ብድሕሪኡ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ሓቂ ብዕምቈት ንምምርማር ጉጅለ መርማሪ ልኢኹ ከጻርይ እናተገበኦ ናብ ሓደ ወገን ዘዘበለ ግዳያት እቲ ጃምላዊ ቕትለት ተወለድቲ ኣምሓራ ጥራሕ ከምዝኮኑ ዝገልጽ ኣፈናዊ ጸብጻብ ኣውጺኡ ሓዲጝዎ እዩ። ካብዚ ብተወሳኪ  እቲ ጸብጻብ ካብ ማይካድራ ናብ ካልእ ክፋላት ትግራይ ከምኡውን ሂወቶም ንምድሓን ናብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ዝሃደሙ ተጋሩ ምስክርነት ምሉእ ንሙሉእ  ዕሽሽ ዝበሎ እንትኸውን ሐዚ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ እዚ ኣብቲ ሓባራዊ ምጽራይ ክጥውቃለል ተጌሩ እዩ።

ከምዚ ዓይነት ምጽራይ እንትግበር ግዳይ እቲ ገበን ዝኮነ ኣካል ማእከል ብምግባር( victim centred) ከምዝኮነ ዝፍለጥ እንትኸውን ይኹን እምበር ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብተጋሩ ሙሉእ ንሙሉእ ተቀባልነት ኣብ ዘይብሉን እቶም ምጽራይ ዝተገበረሎም ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጲያን ኤርትራን እናሃለው ዝተገበረ ምጽራይ ብምኳኑ ግዳይ እቲ ገበን ብነጻነት ክዛረብን ዘለዎ መረዳእታ ከቅርበሉ ኣብዘይክእለሉ እዋን ዝተገበረ እዩ።

እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ኣዝዩ ሻራዊን እቶም ዓበይቲ ገበናት ዝተፈጸመሎም ከም ኣኽሱም፣ ማርያም ደንገላት፣ ኢሮብ፣ቶጎጋ፣ተንቤን፣ ሓውዜን ካልኦት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ቦታትንጰ ዘየጻረየ እንትኸውን ድሕሪ ሰነ 21 ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝበጽሑ ጨፍጭፋት ዘየጠቃልል እዩ።

ውድባት ሳልሳይ ወያነ፣ ባይቶናን ውናትን ከሙኡ እውን ሰብሕድሪ ሲቪል ሶሳይቲ ትግራይን ኣመራርሓ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ  ብመንግስቲ ኣብይ ኣቅራባይነት ዝሽወምን ዝምወልን ከምዝኮነን ኣብቲ ምጽራይ ከይሳተፍን ኣመላኪቶም ነቲ ሓባርዊ ምጽራይ ብምቅዋም ናብ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት  ዝኮና ሚሼል ባችሌት ዕላዊ ደብዳቤ ምጻሓፎም ዝዝከር እዩ።