ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ተሓቢሩ።

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን፡ ንናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ገሊፁ።

ኣብ ናይ መጀመርያ ኣኼብኡ ድማ ምስ ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ተራኺቡ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዝተዛራረቡ ሙሳ ፋቂ ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ’ሎ።

ጀፈሪ ፊልቲማን፡ ቅልውላው ኲናት ትግራይ ንምህዳእ ናብ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ መገሻ ዋላ’ኳ እንተገበረ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ይዝከር።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዘተ ሰለማዊ መዓልቦ ክረክብ ተጋጋሚ ፃውዒት ዋላ እኳ እንገበረ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ፀማም እዝኒ ተዋሂቡዎ ፀኒሑ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንመብዛሕቲኡ ከባብታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብምቁፅፃር ንርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ ከባብታት ሰሜን ሽዋ ድሕሪ ምፅግዑ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ሕጂ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘተ ቅሩብ ንክኸውን ንምልማን ክኸውን ከምዝኽእል ይእመት።

መብዛሕቲኤን ሓያላት ሃገራት ጂኦ ፓሎቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብመንፅር ረብሓአን ከምዝከታተላኦን ጉዳይ ኢትዮጵያ እውን ልዕሊ ስቓይ ዜጋታት እታ ሃገር ከይትፈርስ ከምዝጣበቑ ይግለፅ።