ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብትግራዋይነቶም ይህደኑ ከምዘለው ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

ሮይተርስ ትማሊ ንመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተጋሩ ብጅምላ እንዳተሓፈሱ ናብዘይተፈለጡ ቦታታት ይውሰዱ ከምዘለው ገሊፁ።

ኣብ ሓደ ናይ ውልቀ ጥዕና ጣብያ እትሰርሕ ሓንት ሰበይቲ ኣርባዕተ ዶካትርን ሓንቲ ነርስን ብሰሉስ ኣጋምሸት ካብ ስራሕ ቦትኦም ብፖሊስ ከምዝተወሰዱ፣ ኩሎም ተጋሩ ምዃኖምን ሓቢራትና ዝበለ ሮይተርስ ካሊእ ሰበይቲ ድማ ናይ ምህንድስና በዓል ሞያ ዝኾነ በዓል ገዝኣ ኣብ ፅርግያ ስልኪ ብትግርኛ እንዳተዛረበ ክኸይድ ረኺቦም ፖላዊስ ሒዞም ወሲዶሞ ትብል።

ብዛዕባ ‘ዚ መብርሂ ክህቡና ደዊልና ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ናይ መንግስቲ ቃል ኣቐባሊ ንፃውዒት ስልክና ኣየልዓሉን ዝበለ እዚ ሚድያ እቲ ቅድሚ መዓልታት ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዜ፣ ኣካላት ፀጥታ ዝጠርጠርዎ ብዘይምንም ቅድመ-ኩነት ከምድሌቶም ክኣስሩ ዕድል ዝህብ ዩ ኢሉ።

ቢቢሲ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘነጻጸረ ማእሰርቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ፀብፂቡ ኣሎ።

‘ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለና’ ብምባል ቃሎም ዝሃቡና ውልቀሰባት፡ ድሮ ኣባላት ስድራቤቶም፣ መሓዙቶምን መቕርባቶምን ካብ ዝነበርሉ ናይ ስራሕ ቦታ፣ ቤት ብልዒ፣ መዘናግዒ ቦታን መጓዓዝያን ተገፊፎም ከምዝተወሰዱዎም ፀብፂቡ።

ሓንቲ ለታይ እትበሃል ነባሪት ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ኣብ ስራሕ ቦታ ዝነበሩ ኣባላት ስድራቤታ ከም ዝተኣሰሩን ዘለውሉ ኩነታት ከም ዘይትፈልጥን ገሊጻ ዝበለ ፀብፃ ቢቢሲ “ሰለስተ ኣባላት ስድራይ ሓዊሱ ልዕሊ 25 ዝፈልጦም ሰባት ተኣሲሮም። ምኽንያት መእሰሪኦም እዚ’ዩ ዝብለካ የለን። ሰብ ከካብ ዝተረኸበሉ ይሕፈስ ኣሎ። ነቶም ዝተኣሰሩ’ውን ክትሓትት ኣይትኽእልን፤ ክሓቱ ዝኸዱ’ውን ይእሰሩ ኣለው” ኢላ ይብል።

እቲ ማእሰርቲ ብጥቆማ ውልቀሰባት፣ ገዛ ንገዛ ብምፍታሽ፣ ኣብ ካፌን ቤት ብልዕን ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ቦታ መለለዪ መንነት ብምሕታት’ዩ ዝፍጸም ዘሎ ብምባል፡ ኣብዚ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርቲ ይኾኑ ከምዘለው ዝረኸብናዮ ኩሎም መረዳእታታት ይሕብሩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ሜዳ ዝበፅሖ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ስዕረታት ኣብ ሰላማውያን ዜጋታት ንምክሕሓስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተጋሩ ብዘይገደብ ንምጥቃዕ ዘኽእሎ ሃገራዊ ኣዋጅ እቶ እት ምእዋጁ ዝዝከር ዩ።