ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረዝ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ከምዘተሓሳሰቦ ብመገዲ ወሃቢ ቃል ስቲቨን ዱጃሪክ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።
ከምኡ እውን ቅልውላው ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዘሎ ብምግለፅ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝኣወጆ ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዘሻቐሎ እውን ገሊፁ።
ብምዃኑ እውን ኣብ መንጎ ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ዝግበር ዘሎ ኲናት ደው ክብል፣ ሰብኣዊ ሓገዝን ህፁፅ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዛት ክቀላጠፉን ሕቡራት ሃገራት ፀዊዑ።
ብተመሳሳሊ ነቲ ቅልውላው ንምህዳእን ንሰላም ኢትዮጵያ መሰረት ንምንባርን ኩሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ከምዚኦም ተደጋጋሚ መግለፂታት ዋላ እኳ እናውፀአ እንተመፀ የሻቕለኒ ኣሎ ካብ ምባል ወፃኢ ተግባራዊ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ብዙሓት ይነቕፉዎ።